ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ'ቲ ተኸቢቦሞ ዘለው ኩነተ ውግእ ሓገዛት ክንቅርበሎም ናብ ንኽእል ውሑሳት ቦታታት እንተዘየግዒዝናዮም ኣሽሓት ክሞቱ'ዮም

Daily News SBS Tigrinya 24012022

Source: Getty

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (24/01/2022) * ወኪል ስደተኛታት ው. ሕ. ሃ. ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ቀረብ ሰብኣዊ ረዲኤት ስለዘይረኸቡ ኣብ’ቲ ኵናት ዝሓመሶ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ህይወት ዘስግእ ኩነታት ይነብሩ ኣለው ክብል ገሊጹ። * ስድራቤት ሙሩጋፓን ሰለስተ ኣባላት'ቲ ስድራ ተወሳኺ መሰጋገሪ ቪዛ ወይ ብሪጂንግ ቪዛ ከየመልክቱ ኣንጻር'ቲ ፈደራል ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ዝወሰኖ ውሳነ ርትዓዊ ኣይነበረን ኢሉ ቤት ፍርዲ ፈደራል ሰርኪት ኮርት ድሕሪ ምውሳኑ ጉዳዮም ተዓዊቱ * ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ 56 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝሞቱ ኣብ ዝተጸብጸበሉ ሚኒስተር ጥዕና ኣውስትራልያ ኦሚክሮን ኣብ’ቲ ዝለዓለ ክበጽሖ ዝኽእል ቁጽሪ ይበጽሕ ኣሎ ክብል ገሊጹ። * ሓደ በዓል መዚ ኣሜሪካ ጎበጣ ዩክረይን ብሩስያ ኣብ ዝኾነ እዋን ክፍጸም ይኽእል’ዩ ክብል ኣቐዲሙ ካብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝተዋህበ መጠንቀቕታ መሊሱ ደጊምዎ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ'ቲ ተኸቢቦሞ ዘለው ኩነተ ውግእ ሓገዛት ክንቅርበሎም ናብ ንኽእል ውሑሳት ቦታታት እንተዘየግዒዝናዮም ኣሽሓት ክሞቱ'ዮም | SBS Tigrinya