ፊፋ ምስግጋር ናብ ውልቃዊ ዋንነት ዋንጫ ዓለም ብርቱዓት ተቓውሞታት ምስ ኣጋጠምዎ ገዲፍዎ። ፊፋ 20% ብርኪ ወይ ዋንነት ኣብ ዋንጫ ዓለም ናብ ብሕታውያን ኣውፈርቲ ዝሸይጥ ንግዳዊ ኢድ ወይ ጨንፈር ከቕውም እማመ ኣቕሪቡ ኔሩ።
ፈደረሽን ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ዓለም (ፊፋ) ንዋንጫ ዓለም ናብ ውልቃዊ ብርኪ ከሰጋግሮ ዘቕረቦ እማመ፣ ናይ ምሕሳም ምፍርራሕ ወሲኽካ፣ ብርቱዓት ተቓውሞታት ምስ ኣጋጠምዎ ገዲፍዎ።
FIFA abandons World Cup privatisation plan after fierce backlash
ቀዳም ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ ሓደ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ፣ “እቲ እማመ መደብ፣ እቲ መጠን ደገፍ ብዘየገድስ፣ ንረብሓ’ቲ ቅድም ቀዳድም ተሓሲብዎ ዝነበረ ዕላማ ድሕሪ ደጊም ብዘየረብሕ ዓይነት ምክፍፋላት ምፍጣሩ ንጹር ኮይኑ’ሎ፣” ድሕሪ ምባል “ዕላማና ኩሉ ግዜ ዝነበረን - ኩሉ ግዜ ዝኸውንን - ንምሕባርን ምምሕያሽን’ዩ፣” ኢሉ።
“ንመጻኢ፣ ድሌተይ ኣብ ዝመጹ መዓልታትን ሰሙናትን ንመንፈስ’ቲ ኣብ ጸወታና ንካፈሎ ናይ ሓባር ረብሓ ብምባልን ኩዕሶ እግሪ፣ ኣብ ኩሎም ቦታታት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ’ቶም ብብዝሒ ናትና ደገፍ ዘድልዮም ሃገራት፣ ምዕባዩ ንምቕጻል ብዝብል ዕላማን ንኩሎም ግዱሳት ኣካላት መሊስ ናብ ሓደ ምምጽኦም’ዩ።” ክብል ድማ ወሲኹ።
ፊፋ ዝሓለፈ ሮቡዕ ፊፋ፣ ንዋንጫ ዓለም ወሲኽካ፣ ንቀንዲ ውራያቱ ዘካይደሉ ፊፋ ፎርዋርድ ኢንተርፕራይዝ ዝተባለ ንግዳዊ ጨንፈር ናይ ምኽፋት ወይ ምፍጣር መደቡ ኣፍሊጡ። እዚ ባእታ ንፈነወ ግጥማት፣ መወዓውዒ፣ ቲኬታትን ፈቓዳትን ዝኣመሰሉ ንግዳዊ መሰላት ኣብ ምሻጥን ንግጥማት ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝኣመሰሉ ውራያት ፊፋ ምክያድን ሓላፍነት ክወሃቦ’ዩ ኢሉ።
ብሕታዊያን ኣውፈርቲ ኣብ’ቲ ጨንፈር ክሳብ 20 ቢልዮን ዶላር ዩኤስ ወይ 28.47 ዶላር ኣውስትራልያ ዝግመት ክሳብ 20% ንኡስ ዋንነት ክገዝኡ ምኸኣሉ ኔሮም።
ፊፋ ምስ’ዚ መደብ እንተተሰማሚዐን፣ ንዙርያ 2027-2030 ንነብሲ ወከፍ’ተን 211 ኣባል ሃገራቱን ምምሕዳራዊ ዶባቱን ናይ 40 ሚልዮን ዶላር ዩኤስ ወይ 56.9 ሚልዮን ዶላር ኣውስትራልያ ምወላ ተማባጺዑለን።
እንተኾነ ግን ተቓውሞታት ነቲ እማመ ብጣዕሚ ቅጽበታውን ተረርቲን ኒሮም፣ 55 ኣባል ሃገራት ኣማሓዳሪ ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ዝኾነ ዩኤፋ ብዓብላሊ ድምጺ ኩሎም ውራያት ፊፋ ክሕሰምዎም ብምውሳን። ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ተሪር መግለጺ እቲ ፊፋ ዝኣመሞ መደብ “ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ቦታ የብሉን፣” ክብል ነቒፍዎ።
“መርገጺ ኤውሮጳ ንጹር’ዩ። ነዚ ሞዴል ፈጺምና ሕጋውነትባ ኣይከነልብሶን ኢና። ንመጻኢ ወለዶ ብዝወሓደ መጠን ጥራይ ንዝሓዝዎ እምነት ንምሻጥ ሞራላዊ ስልጣን ዘለዎ ዋላ ሓደ የለን።” ክብል ዩኤፋ ነቒፉ።
ካልኦት ኣካላት’ውን፣ ን41 ሃገራት ዘካትት ዞባዊ ፈደረሽን ሰሜን ኣሜሪካ፣ ማእከላይ ኣሜሪካን ካሪብያንን ዝውክል ኮንካካፍን ኣውስትራልያ ኣባሉ ዝኾነት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤስያን ወሲኽካ፣ ነዚ መደብ ተቓዊሞሞ።
“ሓለውቲ’ዚ ግጥም ነዚኦም ክብርታት ኣብ ዝስሕትሉ እንታይ ይኸውን ታሪኽ ንፊፋን ንቤተሰብ ኩዕሶ እግሪን ኣርእይዎም’ዩ፣” ክብል ኮንካካፍ ኣብ መግለጺኡ ኣስፊኡ።
እቲ መደብ ብተወሳኺ ውሽጣዊ ምክፍፋል ኣብ ውሽጢ ፊፋ’ውን ኣቃሊዑ።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኢንፋንቲኖ ካርሎስ ኮርዴሮ ካብ መዝነቱ ወሪዱ፣ ነቲ መደብ ድማ “ንኩዕሶ እግሪ ሕማቕ ዝኾነ ሓሳብ” ክብል ገሊጽዎ፣ ዋና ኣካያዲ ፊፋ ኬቪን ላሙር ብወገኑ ብኢንፋንቲኖ ከም “ዝተታለለን” እቲ እማመ “ናይ ሓደ ሰብ መደብ” እዩ ክብል ሓቢሩ።
ፊፋ ኣቕሪብዎ ዝነበረ እማመ ንምንታይ ኣሉታዊ ግብረመስሊ ፈጢሩ፧
ፊፋ ከምዝብሎ እማመ ምምስራት’ቲ ጨንፈር ዝቐረበ ኣብ ድሮ ግጥም ፍጻመ ናይ’ዚ ዋንጫ ዓለም ኣብ ወርሒ ሓምለ ድሕሪ ዝተዋህበ መደረ ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ’ዩ።
ኣብ’ቲ መግለጺ፣ ኢንፋንቲኖ፣ ንዋንጫ ዓለም ወሲኽካ “ንግዳዊ ዓቕሚ ግጥማት ፊፋ ክኸፍት ወይ ክፈትሕ ዓሊመ’የ ገይረዮ ኢሉ።
“ኩዕሶ እግሪ ኣዝዩ ህቡብ ስፖርት ናይ ዓለምናን ፍሉይ ሞተረ ሰብኣውን ማሕበራውን ምዕባለ’ዩ፣” ዝበለ ኢንፋንቲኖ "ክፋላት ናይ’ቲ ግጥም ነዚ ህቡብነት ናብ ዘደንቕ ንግዳዊ ዋጋ ቀይርዎ’ዩ -- ነዚ ዓወት ድማ ነብዕሎን ክቕጽል ንደልዮን፣ ምኽንያቱ ንብምሉኡ’ቲ ግጥም ክብ ስለዘብሎ።” ክብል ወሲኹ።
ብዘይካ ምምሕዳር መሰላት ንግዲ ፊፋ፣ እዚ ተኣሚሙ ዘሎ ትካል ፊፋ ፎርዋርድ ኢንተርፕራይዝ ንውልቃውያን ኣውፈርቲ ኣብ’ቲ ትካል “ንኡሳን፣ ምቁጽጻር ዘይብሉ ወፍሪ” ክገብሩ ከኽእሎም’ዩ።
ፊፋ እቲ ስጉምቲ ምስ’ቶም “ዝተመደበ ንግዳዊ ምወላታት” ዘለዎም ካልኦት ኣመሓደርቲ ኣካላት ስፖርት ተመሳሳሊ’ዩ ድሕሪ ምባል እቶም ኣውፈርቲ ድማ ብመንጽር “ንጹር ነዊሕ ዝጸንሕ፣ ምምሕዳራዊን ስትራተጂካውን መልክዒታት” ዝምረጹ’ዮም ክብል ኣስሚርሉ።
መብጽዓ ምወላ ኢንፋንቲኖ ንኩለን 211 ኣባል ማሕበራት ንፍሉያት መደባት ተባሂሉ ካብ ወርሒ ጥሪ ዝቕረብ ሓንሳብ ዝወሃብ ክፍሊት 20 ሚልዮን ዶላር ዩኤስ/28.44 ሚልዮን ዶላር ኣውስትራልያ፣ ከምኡ’ውን ካብ 2027-2030 ኣብ ዘሎ እዋን ዘገልግል ተመሳሳሊ መጠን ዘለዎ ምወላ ንመሰረታዊ ምዕባለ ዘካትት’ዩ። ኣብ ትሕቲ’ቶም ናይ ቀደም መደባት፣ ኣባል ማሕበራት ከባቢ 10 ሚልዮን ዶላር ዩኤስ ነቲ እዋን ዝኸውን ክቕበላ’የን።
እንተኾነ ግን እቲ መግለጺ በዓል ዩኤፋ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብቐርኖም ተቐቢሎሞ፣ ናይ ውልቂ ወፍሪታት ኣብ ግሎባዊ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ “ንኩዕሶ እግሪ ንዘልኣለም ክቕይርዎ’ዮም” ዝብል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ።
ዩኤፋ ብተወሳኺ፣ ‘ልዑል ድኽመት ኣብ መሪሕነትን’ ‘ሓላፍነት ምእላይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ምርሕራሕን’ ዝብል ክሲ ብምቕራብ፣ በዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተሓበረ እማመ ንፊፋ ነቒፍዎ።
"ሓደ ከም’ዚ ዓይነት ጽልዋን ኣገዳስነትን ንኩዕሶ እግሪ ዘለዎ እማመ ብምስጢር ምውጣንን ምስ’ቶም ነቲ ግጥም ክሕልውዎ እምነት ዝተነብረሎም ዝኾነ ትርጉም ዘለዎ ምምኽኻር ዘይብሉ ኣብ ኣፈፈት ምጽዳቕ ምግጽሑን ዘይሓላፍነታውን ክትከላኸለሉ ዘይትኽእልን’ዩ፣” ክብል ዩኤፋ ብተሪር ወቒሱ።
ግብረመልሲ ኣውስትራልያ
ሓሙስ፣ ኣውስትራልያ ኣባሉ ዝኾነ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤስያ (ኤኤፍሲ)’ውን ጉድለት ምምኽኻር ኣብ እማመ ፊፋ ወቒሱ።
ፕረዚደንት AFC ሸይኽ ሳልማን ቢን ኢብራሂም ኣል ኸሊፋ ነቲ ስጉምቲ “ምሉእ ብምሉእ ዘይቅቡል፣” ክብል ጸዊዕዎ።
" AFC ቅድሚ ወግዓዊ መግለጺ’ዚ እማመ ብፊፋ ኣብ ዝኾነ ደረጃ ንምኽሪ ዘይተሓተተ ምዃኑ ምስ ዓቢይ ሻቕሎትን ጓሂን’ዩ ተዓዚቡ።” ክብል ሳልማን ኣብ መልሱ ንደብዳበ ኢንፋንቲኖ ጽሒፉ።
"ኣብ ርእሲኡ AFC በይናዊ ተግባራት ፊፋ ነቶም ኣብ ሓደነት፣ ምትሕብባርን ግሉጽነት ዝተመስረቱ ቀንዲ ሰረታት ኣህጉራዊ ኩዕሶ እግሪ ዘዳኽምዎ ዝመስሉ ብዓሚቕ ተሻቒሉ።
ሳልማን ብተወሳኺ ነቲ እማመ ኣብ ዝምልከት ዝኾነ መርገጺ ቅድሚ ምውሳድ ኩለን ኣባላት ማሕበር ንውጽኢት ናይ’ቶም ዘተተታት ክጽበያ ሓቲቱ።
ኣብ ሓደ መግለጺኡ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ ነዚ ናይ ቀረባ ግዜ እማመ ንግዲ ብዝምልከት መልእኽቲ ተቐቢሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ’ሎ።
"እዚ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ’ዚ ተበግሶ ዝፈለጥናዮ ብምዃኑ፣ ነቲ እማመ ብምሉኡ ክንርድኦ ሕጂ ንሰርሕ ኣለና፣” ክብል ሓቢሩ።
"ብግቡእ ነቲ ስትራተጂ፣ ንግዳውን ምምሕዳራውን ጽልዋ ናይ ከም’ዚ ዓይነት ዓቢይ ስጉምቲ ንምግምጋም ካብ ፊፋ ዝያዳ ሓበሬታ ክቐርበልና ሓቲትና ኣለና።”
ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ ሓደ መርገጺ ክሕዝ ዝኽእል እቲ ሓበሬታ ምስ ተቐበለን ምስ መሓዙት ኣባል ማሕበራትን ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤስያን ምስ ተዛተየን’ዩ ኢሉ።




