ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሓምለ 2024)

Full Podcast Tigrinya.jpg

Credit: SBS Tigrinya

* ጸብጻባት ዜና ናይ ሎሚ: ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይን ኤርትራን ጽቡቕ ክራማት ጀሚሩ፣ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ግን ልዕሊ 9.4 ሚልዮን ብር ዝግምቱ ንብረት ከምዘዕነወ ተሓቢሩ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያ ክጓዓዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ ሓድሽ መንግስቲ ኢንግሊዝ ንምጥራዝ ስደተኛታት ደው ከም ዘብሎ ገሊጹ፣ ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ጎንደር፡ ሸውዓተ ኤርትራውያን ብዕጡቓት ብሳንጃ ከም ዝተወግኡ ተሰሚዑ፣ ኣብ ኤርትራ ብውሕዱ 218 ኣመንቲ ክርስትና ከምዝተኣስሩ ገሊጹ፣ ኣብ ኢትዮጵያ 4.5 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። * ኣብ መላእ ሃገር ቁሪ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣውስትራልያውያን ገዝኦም ኣብ ዘውዕይሉ ወይ ዘሙቕሉ እዋን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ተኽእሎታት ሓደጋ ከስተውዕሉሎም ሓደስቲ መጠንቀቕታታት ይወሃቡ’ለዉ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ’ዚ ወቕቲ ቁሪ ሓጋይ ድሕሪ ዘጋጠሙ ምቅጻላት ኣባይትን ምምራዝ ጋዛት ካርቦንሞኖክሳይድን’ዮም። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ጋዜጠኛ ካልድ ዓብዱ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝትንትን ነባሪ ሃገረ ሽወደን እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዛዕባ ታሪኹን ዘካይዶም ንጥፈታትን ሰፊሕ ዕላል ኣካይድናሉ ኣለና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ክፋል ዕላል ብዛዕባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘቕርቦ መደባትን ብመንእሰያት ዝኸይድ ዘሎ ተቓዉሞታት ዝምልከቱን ብዛዕባ ስርሑን ኣዕሊሉ ኣሎ። * ኣብ መወዳእታ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ንቅያታት ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ፣ ምዝርጋሕ ኣስማት ጋንታ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዩሮ 2024 ክትንትን’ዩ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሓምለ 2024) | SBS Tigrinya