SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ግንቦት 2024)

Full Podcast Tigrinya.jpg
Credit: SBS Tigrinya

ንሎሚ ሓሙስ 16 ግንቦት 2024 ዘዳለናዮም መደባት፣ ጸብጻባት ዜና፥ * ኣብ ከይዲ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣምባሳደር ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ዘትዮም፣ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣሳታፊ ዘተን ምዕራፍ ጎንጽታትን ጻውዒት ኣቕሪቡ፣ ህወሓትን ብልጽግና ዝኾነ ይኹን ጎንፂ ብሓባር ንምክልኻል ተስማዕሚዖም፣ ኣብ ዶብን ወሰንን ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተጣየሸ ማሕበር መግለጺ ሂቡ፣ ኣብ ገለ ገጠራት ኤርትራ ፡ ካብ ዒባ ነዳዲ [ሚቴን] ንምፍራይ ፈተነታት ይካየድ ከም ዘሎ ተገሊጹ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጀርመንን ሆላንድን ንኢትዮጵያ ሓገዝ ኣበርኪተን፣ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ተቓዋሚ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ እስራኤል ንዝተቐትለ ኤርትራዊ ኣመልኪቱ መግለፂ ሓዘን ኣውጺኡ ባጀት ኣውስትራልያ፥ * ሰልፊ ለይበር ንፈለማ ግዜ ኣብ ሰለስተ ዕቑዳት ካልኣይ ተኸታታሊ ትርፊ ኣብ ባጀት ከቕርብ`ዩ። እዚ ባጀት ኣብ መንጎ ዝቕባበ ክቆጻጸር ምፍታንን ዋጋ መነባብሮ ምቅላልን ቀጢን መስመር ሒዙ ይጓዓዝ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ቃለመሕትት፥ * ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ፡ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ሩዋንዳን ከኣ ከኣ ጥልቕ ብዝበለ መልክዑ፡ ተመራማሪትን ጸሓፊትን ዝኾነት ሚከላ ሮንግ መበል 30 ዓመት ፍጻመ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ንምዝካር ኣብ ኣውስትራልያ ዑደት ክትገብር ቀንያ። ንሳ 'I didn't do it for you' ዘርእስታ ኤርትራዊ ታሪኽ መግዛእትን ትድህስስ መጽሓፍ ዝጸሓፈት'ያ። ኣብ መንጎ’ዚ ዑደታ ምስ ኤስቢኤስ ኣብ'ዚ ኣብ ስቱድዮና ተረኺባ ቃለመሕትት ኣካይዳ ኔራ። ሶኑይ ዝጀመርናዮ ቀዳማይ ክፋል ጽሟቕ ትሕዝትኡ ሎሚ መወዳእትኡ ክቐርብ’ዩ። ኣውስትራልያን መለለይኣን፥ * ኣብ መወዳእታ The Frontier Wars (ዘ ፍሮንቲየር ዎርስ) ነቶም ብሪጣንያውያን ሰፈርቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝሰፍሩሎምን ዘስፋሕፍሑሎምን ዝነበሩ እዋናት ኣብ መንጎ'ቶም መግዛእታውያን ሰፈርትን ደቀባት ህዝብታትን ንልዕሊ 100 ዓመታት ዝተኻየዱ ጎነጻዊ ተጻብኦታት ዝገልጽ ስም'ዩ። ኣውስትራልያ ተሳታፍነታ ኣብ'ቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተኻየዱ ኲናታት ክብሪ ትህብ ሃገር እንተኾነት'ኳ እቲ ሎሚ ከም ሃገር ኮይናቶ ዘላ ክትከውን ዝገበራ ቃልስን ኲናትን ግን ክሳብ ሕጂ ኣፍልጦ ኣይሃበቶን ወይ ኣይኣመነትሉን። እዚ ኣብ’ቲ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ መደብ ከነቕርቦ ኢና።

Published

By SBS Tigrinya

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS / SBS Tigrinya

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now