Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (7 ግንቦት 2026)

SBS Daily News

Source: SBS

ሰላም ከመይ ትኾኑ ዝኸበርኩም ሰማዕትና። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሓሙስ 7 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና። * ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ብጽኑዕ ኣጠንቂቓታ፣ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂባ፣ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕሬዝዳንት ትግራይ ኮይኑ ተመሪጹ፣ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ምላሽ ሂቡ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣብ ገለ ወረዳታት ሰፊሕ ግዱድ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ተሰሚዑ: እዚኦም ናይ ሎሚ ጸብጻባት ዜና’ዮም። * ኣብ ሓንቲ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እተበገሰት መዛወሪት መርከብ ብቐታሊ ተላባዒ ሃንታቫይረስ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተለኽፉ ተፈሊጡ። እዚ ሕማም ኣብ ሰባት ሳሕቲ ጥራይ ዝርአ ብምዃኑ ዓለምለኻዊ ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ። ሃንታቫይረስ እንታይ’ዩን ኣብ’ታ መርከብ’ከ እንታይ ኣጋጢሙን ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ - ሶከሩስ - ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ 2026 ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክጅምር ልዕሊ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ምድላዋታ ተጠናኽር ኣላ። ኣሰልጣኒ ቶኒ ፖፖቪች እታ ጋንታ ብዙሕ ዝስራሕ ኣለዋ. . . ኩልና ከነማዕድዎ ዘለና ድማ ብዙሕ ነገር ኣሎ ክብል ይገልጽ። ንምድልዋታ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣብ መወዳእታ ኢንፍሉዌንዛ ልዑል ተላባዒ ቫይረስ’ዩ። ወቕቲ ሰዓል ኣብ ኣውስትራሊያ ክጅምር’ንከሎ ንገዛእ-ርእስና፣ ስድራቤትናን ኣብ ማሕበረሰብና ልዕሊ ኩሉ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት ንምክልኻል ክንፈልጦ ዘሎና ነገር ኣሎ። ንኣውስትራልያ ኣብ ንገልጸሉ መደብና ንምልከቶ’ዩ። ሰናይ ምክትታል!



Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now