ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 መጋቢት 2024)

Full Podcast Tigrinya.jpg

Credit: SBS Tigrinya

ኣብ ጉዳይ ተፈጻምነት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘድሃበ ልዝብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ: ኢታማዦር ሹም ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ፈጺሙ ከም ዘይፈልጥ ተዛሪቡ: ንትግራይ ህፁፅ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ክውስኽ ዩኒሴፍ ጸዊዑ: ኣብ ኤርትራ ብምውላ ሕብረት ኤውሮጳ ንክልተ ዓመታት ዝሰልጠና 26 ጸገም ምስማዕ ዘለወን ደቂንስትዮ ተመሪቐን ዝብሉ ንሎሚ ዝተላእኩልና ጸብጻባት ዜናዮም። ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ቀታሊ ናይ’ታ ንሓያሎ ሰሙናት ደሃያ ጠፊኡ ዝቐነየ ሰማንታ መርፊ ሕጂ መንነቱ ተገሊጹ። ስምን ስእልን ናይ’ቲ ቀታሊ ከይርቋሕ ወይ ከይግለጽ ቤት ፍርዲ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ማዕቀብ ድሕሪ ምልዓሉ እቲ መንእሰይ ፓትሪክ ስቲፈንሰን ዝተባህለ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ እዋናዊ ዛዕባ ኣለና። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ መላእ ዓለምን መዓልቲ ደቀንስትዮ ብዝተፈላለየ ንጥፈታትን ተግባራትን ተኸቢሩ ሓሊፉ። ነዚ በዓል ምኽንያት ጌርና ንደቀንስትዮ ኣገልግሎታት ምኽርን ኣስተምህሮን ኣብ ምሃብ ምስ ትነጥፍ ወይዘሮ ዛህራ ዓሊ ዓብዱራሕማን ዘካየድናዮ ሰፊሕ ቃለመሕትት ኣለና፣ ሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ ከነቕርበልኩም ኢና። ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat' ሎሚ ዝቐርብ ኣለና። ኣብ መወዳእታ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኣብ ማራቶን ባርሴሎና ደጊቱ ኣዝመራውን ታደሰ ኣብርሃምን ተዓዊቶም፣ ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲን ሊቨርፑልን ማዕረ ብምፍልላየን መሪሕነት ፕሪምየር ሊግ ኣርሴናል ተረኪባ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ቲረኖ ኣድሪያቲኮ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ሳልሳይ ወጺኡ እንተነበረ'ኳ ዘይንቡር ምፍንጣስ ኣካይዱ ተባሂሉ ውጽኢቱ ተሰሪዙ፣ ግጥማት ኣፍሪቃ ኣብ ኣክራ፣ ተጀሚሩ፣ ት20 መንእሰያት ኢትዮጵያ ብጋናውያን ተሳዒረን፣ ንሓደ ጻዕዳ ‘ጻዕዳ’ ኢልካ እንተጸረፍካዮ ኣድልዎ ዓሌትነት ድዩ፧ ዝብሉ ንዝርዝሮም ኣርእስታትና’ዮም።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 መጋቢት 2024) | SBS Tigrinya