SKIP TO MAIN CONTENT

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሓምለ 2024)

Full Podcast Tigrinya.jpg
Credit: SBS Tigrinya

ምሉእ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ፈለማ ዜናታት ዓለምን ኣውስትራልያን ይቐርብ፣ ጸብጻባት ልኡኽና፥ * ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝግምግም ካልኣይን ስትራተጂካዊን ርክብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻዪዱ፣ * ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ናብ ምብራቓዊ ክፍሊ እታ ሃገር ብምስፍሕፍሑ ተጋሩን ኤርትራውያንን ዝርከቡዎም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ንሓደጋ ተቓሊዖም ምህላዎም ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ገሊፁ፣ * ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ዕጡቓት 1 ሰብ ቀቲሎም 10 ካልኦት ኣቝሲሎም፣ * ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን፣ ፕረዚደንት ሶማልያ ከኣ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ፈጺሞም። * ወነንቲ ንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ ኣብ'ዚ እዋን ካብ ጥርዓን ህዝቢ ንኣሽቱ ዋኒናትን ብቤተሰብ ዝውነና ንግድታትን ዝሰምዕ (Australian Small Business and Family Enterprise Ombudsman ) ብልዕሊ 100 ቋንቋታት ሓበሬታን ደገፍን ክረኽቡ ይኽእሉ'ዮም። መርበብ ሓበሬታ ናይ'ቲ ኦምዱስማን ነቶም ካብ ብባህሊን ቋንቋን ዝተፈልዩ ድሕረባይታታትን ዝመጹ ሰባት ቀሊል ንምግባሩ ምትዕርራይ ተገይርሉ'ሎ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ። * ጋዜጠኛ ካልድ ዓብዱ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝትንትን ነባሪ ሃገረ ሽወደን እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዛዕባ ታሪኹን ዘካይዶም ንጥፈታትን ሰፊሕ ዕላል ኣካይድናሉ ኣለና። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ናይ መወዳእታ ክፋል ዕላል ብዛዕባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘቕርቦ መደባትን ብመንእሰያት ዝኸይድ ዘሎ ተቓዉሞታት ዝምልከቱን ብዛዕባ ስርሑን ኣዕሊሉ ኣሎ። * መኪና እናዘወርኩም ዘይእሩም ወይ ክብረት ዝጎደሎ ባህሪያት ምርኣይ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ መጥቃዕቲ ወይ ባእሲ ኣብ መንገዲ ክድይብ ይኽእል። ምልክታት ቁጡዕ ኣዘዋውራ መኪና ከተለልይዎም ትኽእሉ'ዶ፧ ባእሲ ኣብ መንጎ መራሕቲ መካይን ኣብ መንገዲ ምስ ዘጋጥመኩም እንታይ ትገብሩ፧ ንመድሕን ናይ መኪናኹም ከምዝጸልዎ’ኸ ትፈልጡ’ዶ፧ ኣብ'ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶ መለክዒታት ድሕነት ዘለዎን ሓላፍነታውን ኣዘዋውራ መኪና ኣብ ኣውስትራልያን ንስኹም ወይ ፈተውትኹም ኩነታት ባእሲ መራሕቲ መካይን ኣብ መንገዲ ምስ ዘጋጥመኩም ትወስድዎም ስጉምትን ክንምልከት ኢና።

Published

By SBS Tigrinya

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS / SBS Tigrinya

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now