ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ግንቦት 2024)

Full Podcast Tigrinya.jpg

Credit: SBS Tigrinya

ሰላም ዝኸበርኩም ሰማዕትና። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሶኑይ 13 ግንቦት 2024 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና። * ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮጳ ንዘንበሮ እገዳ ቪዛ ብምቅዋም ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከም ትወስድ ኣፍሊጣ፣ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጥዕና ብቝሊ “ጥዕና ብቝሊ፡ ብውሑስ ንግድን ምዕቡል ቴክኖሎጅን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ዓለምን ኤርትራን ተዘኪሩ ውዒሉ ተባሂሉ፣ ሓይልታት ኣምሓራ ሕዚ’ውን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ገበናት ካብ ምፍጻም ከምዘይተዓቀቡ ሁዩማን ራይጽ ዎች ኣቃሊዑ፣ ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዕጡቓት ተፈጺሙ ኣብ ዝተባህለ መጥቃዕቲ 5000 ተመዛቢሎም ዝብሉን ካልኦትን ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም። * ኣውስትራልያ ፍልስጤም ምሉእ ኣባል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ኣድሚጻ። ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ’ተን ነቲ ውሳነ ደጊፈን ዘድመጻ 143 ሃገራት’ያ። እንተኾነ ግን ፈደራል ተቓዋሚ ሰልፊ ነዚ ድምጺ መንግስቲ ግዚኡ ዘይኣኸለ’ዩ ክብል ገሊጽዎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ፡ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ሩዋንዳን ከኣ ከኣ ጥልቕ ብዝበለ መልክዑ፡ ተመራማሪትን ጸሓፊትን ዝኾነት ሚከላ ሮንግ መበል 30 ዓመት ፍጻመ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ንምዝካር ኣብ ኣውስትራልያ ዑደት ክትገብር ቀንያ። ንሳ 'I didn't do it for you' ዘርእስታ ኤርትራዊ ታሪኽ መግዛእትን ትድህስ ስ መጽሓፍ ዝጸሓፈት'ያ። ኣብ መንጎ’ዚ ዑደታ ምስ ኤስቢኤስ ኣብ'ዚ ኣብ ስቱድዮና ተረኺባ ቃለመሕትት ኣካይዳ ኔራ። ገለ ካብ ጽሟቕ ትሕዝትኡ ክቐርብ’ዩ። * ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኣብ ዶሓ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያውያን ሳሙኤል ፍሬውን ፍረወይኒ ሃይሉን ተዓዊቶም፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢጣልያ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ድሕሪ ዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ቅድድም ኣቋሪጹ፣ መጉዳእቱ ግን ፈኲስ ከምዝኾነን ኣብ ቀረባ ግዜ ክምለስ ምዃኑን ገሊጹ፣ ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ ኪልያን ምባፐ ኣብ ምዝዛም ናይ’ዚ ወቕቲ ካብ ጋንትኡ ፓሪስ ሰይንት ዠርማን ክለቅቕ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲ ንፉልሃም 4-0 ብቐሊሉ ድሕሪ ምስዓራ ጽዋዕ ፕሪምየር ሊግ ናይ ምዕታር ዕድላ ርግጽ እናኾነ ይኸይድ፣ መሪሕነት ግን ሕጂ’ውን ኣርሰናል ሒዛቶ’ላ ዝብሉ ንዝርዝሮም ኣርእስታትና’ዮም። ሰናይ ምክትታል!



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service