SKIP TO MAIN CONTENT

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ሓምለ 2024)

Full Podcast Tigrinya.jpg
Credit: SBS Tigrinya

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ሓምለ 2024) ጸብጻባት ልኡኽና፣ * ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ መረበቶም ንምምላስ ይስራሕ ምህላዉ ምክትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ: * ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብኣጋጣሚ መበል 30 ዓመት ምምስራት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሳዋ ንዝቐረበ ምርኢት ከፊቱ: * ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ካብ መገሻ ወጻኢ ተኣጊዶም ዝጸንሑ ዓሰርተ ሽሕ ውልቀሰባት ነጻ ተባሂሎም: * ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ብውሑስ ኣገባብ ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ ጻውዒት ቀሪቡ፣ * ሓንቲ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኣውስትራልያ ብገበን ስለያ/ኤስፒዮናጅ ተኸሲሳ። ፖሊስ እዛ ጓለንስተይቲ ምስ በዓል ቤታ ኮይና ምስጢራዊ ሓበሬታ ንሰብ መዚ ሩስያ ከተቐብል ፈቲና ክብሉ ክሲ ኣቕሪቦምላ'ለዉ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። *ቃለመሕትት፣ ዶክተር ፍጹም ሰመረ ወልደጊዮርጊስ ምስ ዕደና ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት፣ ትሕተ ቅርጽን ልምዓት ኢንዱስትሪታትን ዝተኣሳሰሩ ወሲኽካ ጽልዋታት ቁጠባዊ ንጥፈታት ኣብ ዘላቒ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘተኲር ክኢላ ስነቁጠባን ማሕበራዊ ህይወት ዘጽንዕን’ዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ኣበርክቶ ደቀባት ህዝብታት ዝኽበረሉ ቅነ ናይዶክ ብምንባሩ ብማዕድን ሃብታም ኣብ ዝኾነት ኣውስትራልያ እዚ ጽላት ምስ ህይወቶም ዘለዎ ምትእስሳር ከረድኣና ጋሻና ጌርናዮ ኣለና። (ቀዳማይ ክፋል) ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፣ * ኣብ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ጋንታ ኤርትራ ሒዛቶም ትቕርብ ኣትሌታት ተፈሊጦም፣ * ቢንያም ግርማይ ዝደቐመሉ ናይ ሎሚ ዓመት ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ 2024 ቢንያም ኣብ ምድብ ነጥቢ መሪሕነቱ ብምዕቃብን ቀጠልያ ማልይኡ ብምልባስን መበል 15 ዙርይኡ ብምክያድ ይቕጽል፣ * ስፐይን ሻምፒዮን ኤውሮጳ 2024 ኮይኖም፣ ንራብዓይ ግዜ ሻምፒዮን ዝኾኑ ቀዳመይቲ ሃገር ኮይኖም፣ ልቢ እንግሊዛውያን ከኣ ንኽልተ ተኸታታሊ ውራያት ኣብ ፍጻመ ግጥም ተሰይሩ፣

Published

By SBS Tigrinya

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS / SBS Tigrinya

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now