ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ታሕሳስ 2022)

Full Podcast

Credit: Getty Images

* መንግስቲ ትግራይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብግቡእ ክትግበር ፀዊዑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ መቐለ ውዱብ ዝምታ ይፍጸም’ሎ ክብል ከሲሱ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ውግእ ናብ ዝኸፍአ የምርሕ ምህላዉ ተገሊጹ፣ ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዳጒኖም ይሳቐዩ ምህላዎም ተሓቢሩ ዝብሉ ጸብጻባት ንሎሚ ዘለውና’ዮም። * ከባቢያዊ ምምሕዳራት ድሕሪ ደጊም ኣብ መዓልቲ ኣውስትራልያ ስነስርዓት ምረቓ ዜግነት ከካይዳ ኣይክግደዳን’የን፣ ሰልፊ ለይበር ዝመርሖ እዚ ፈደራል መንግስቲ ነቲ ከም’ኡ ክገብሩ ዘገድዶም ዝነበረ ውሳነ ናይ ቀደም መንግስቲ ሰልፊ ጥምረት ኣልይዎ’ሎ። ገለ ከባብያዊ ምምሕዳራት ከተማ መልበርን ካብ ክብሪ ንማሕበረሰባት ደቀባት ተላዒለን ነዞም ስነስርዓታት ከየካድኦም ወሲነን። ሕጂ እተን ምምሕዳራት ነዚ ስነስርዓት ኣብ ከባቢ ዕለት 26 ጥሪ ዝርከቡ ናይ 6 መዓልታት መስኮት ከካይድኦ ይኽእላ’የን፣ መንግስቲ ግን እቶም ስነስርዓታት ኣብ’ቲ ህዝባዊ መዓልቲ ክካየዱ ትጽቢት ኣለኒ ይብል። ነዚ ዝገልጽትሕዝቶ * ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ባይቶ ዌስትሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ብፔን ኤርትራ፣ ኤርትራ ፎከስን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ዝተዳለወ ቅድሚ 21 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ካልኦት እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ንምዝካርን ኩነታቶም ንምቅላሕን ሓደ መደብ ምርኢት/ኤግዚቢሽን ቀሪቡ ኔሩ። ነቲ መደብ ብዝምልከት ምስ ጸሓፊን ጋዜጠኛን ሳሙኤል ገብረህይወት ዓካዓካን ጸሓፊን ኣቦወንበር ፔን ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋንን ኣቶ ዓወት ፍስሃየን ዘካየድናዮ ዕላል ቀዳማይ ክፋሉ * ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ኣቡዳቢ ብኩሉ ጾታታት ሳልሳይ ውጺኦም፣ ኤርትራዊ ኮኾብ ቢንያም ግርማይ ንሳልሳይ ዓመቱ ኣከታቲሉ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተሰይሙ፣ መሲን ኣርጀንቲናን ዋንጫ ዓለም ድሕሪ ምውሳዶም እንታይ ይበሃል ኣሎን ዝብሉን ካልኦትን ንዝርዝሮም ኣርእስታትና’ዮም።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ታሕሳስ 2022) | SBS Tigrinya