ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ግንቦት 2024)

Full Podcast Tigrinya.jpg

Credit: SBS Tigrinya

ሶኑይ 20 ግንቦት 2024 መደባትና * ደገፍቲ ፍልስጤም ኣድመኛታት ንዋዕላ ሰልፊ ለይበር ግዝኣት ቪክቶርያ ኣብ ከተማ መልበርን ብሓይሊ ኣትዮሞ። እዚ ቀቅድሚ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ንደገፍትን ክትዓት ብዛዕባ ንግጭት ቓዛ ዝምልከቱ እማመታትን ዝተፈጥረ ክስተት ነቲ ዋዕላ ዘሪግዎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ሓጺር ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣስተምህሮ ኣደማምጻ ቃላት ኢንግሊሽ ክቐርብዩ። ንህብብቲ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ኤስቢኤስ ኒውስ ጃኒስ ፒተርሰን ብምስማዕን ብምኽታልን ኣደማምጻና ከነመሓይሸሉ ንኽእል መደብ’ዩ። * ከባቢ 300 ኣውስትራላያውያን ኣብ'ታ ሕጂ ብዕግርግር ትሕመስ ዘላ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ትርከብ ደሴታዊት ምምሕዳር ኒውካሌዶንያ መዋጽኦ ስኢኖም ይርከቡ፡ ለውጢ እማመ ኣብ ምሃብ ድምጺ ኣብ'ታ ደሴት ዘንቀሎም ናዕቢታት ይቕጽሉ ስለዘለዉ። እቶም ኣውስትራልያውያን ሕጽረት መግብን ማይን ከምዘጋጠሞም ክግለጽ’ንከሎ መንግስቲ ኣውስትራልያ ኸኣ ካብኡ ከውጽኦም ጻዕርታት ጀሚሩ’ሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ኣጀንዳ ናይ’ዚ ሰሙን ኣለና። * ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኣለና - ኣብ ሎሳንጀለስ ኣሜሪካ ኢትዮጵያዊ ሰለሞን ባሬጋ ንሓያላት መቐናቕንቱ ቀዲሙ ተዓዊቱ፣ - ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢጣልያ ድሕሪ ምውዳቑ ንፈለማ ግዜ ናብ ውድድር ተመሊሱ፣ ኣብ ጂሮ ድ’ኢታልያ ኸኣ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ተሳትፎኦም ይቕጽሉ፣ - ሳልሳይ ዙርያ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ት17 መንእሰያት ኣብ ናይሮቢ ተኻይዶም ኬንያ ንኢትዮጵያ 3-0 ስዒረንአን፣ - ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብዓወት ማንቸስተር ሲቲ ተዛዚሙ፣ ኣርሰናል ካልኣይቲ ክትወጽእ’ንከላ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ከኣ ብብዝሒ ሽቶታት ኣብ’ዚ ወቕቲ 21 ኣመዝጊቡ ሳልሳይ ወዲኡ፣



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ግንቦት 2024) | SBS Tigrinya