ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ታሕሳስ 2025)

SBS Audio.JPG

Credit: Beyene Weldegiorgis

ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (22/12/2025) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ጸብጻብ ልኡኽና :- ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓስከር ተመዛበልቲ 50 ሰባት ምማቶም ከምዝተገልጸ፣ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሖ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ምምይያጡ፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዘን ዘለዋ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ክፍትሓ ጻውዒት ምቕራቡ፣ ስዊድን ደሃይ ኤርትራዊ እሱር ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ምርግጋጻን፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ኩነታት ኣየር ብምጥቃስ ገለ በረራታት ውሽጢ ሃገር ደው ምባሉን ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም። * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ፣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ቦንዳይ ቢች ዝተፈጸመ ናይ ሽብር መጥቃዕቲ ተኸቲሉ፣ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ሓደ ሓድሽ ሃገራዊ መደብ መሊስካ ምግዛእ ብረት ከቕውም`ዩ ይብል። ዝሓለፈ ሰንበት ድማ ንግዳያት ናይ`ቲ ተዂሲ ንምዝካር ብሃገር ደረጃ ዕለተ ምስትንታን ተኻይዱ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ዝኽሪ ነብስሄር በሃር ኤርትራዊ ስነ-ጥበባዊ በረኸት መንግስተኣብ፡ ሰንበት 14 ታሕሳስ 2025 ኣብ ሜልበርን፡ ኣውስትራልያ ተኻይዱ። ብማሕበረ ኮም ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ((ECA))ን ኣውስትራሊያዊያን ኤርትራውያን ባህላዊ መድረኽ ዝተወደበ ኔሩ። ህቡባት ስነ-ጥበባውያን ዓብደላ ኣቡበከር፡ ደሃብ ፈይድ ቲንጋ፡ ሳልሕ ጆሃርን ፍሉጣት ኣባላት ማሕበረሰብን ብዛዕባ በረኸት መንግስተኣብ ተዘክሮታቶም ኣካፊሎም። ቀዳማይ ክፋሉ ክቐርብ’ዩ። * ኣብ [መወዳእታ ኸኣ] ዓመተ 2025 ይውዳእ ስለዘሎ ገምጋም ንህበሉ ግዜ በጺሑ`ሎ ማለት`ዩ። ንፖለቲካ ኣውስትራልያ ኣብ 2025 ክንምልከት’ንከለና እቲ ዓመት ክትግምቶም ትኽእል ፖሊሲታት ግን ከኣ ዘሰንብዱ ውጽኢታት ዝነበርዎ ኔሩ። እዚ ድማ ሰልፊ ለይበር ብዓብላሊ ተዓዊቱ ናብ መንበረ መንግስቲ ዝተመልሰሉ ምርጫ ግንቦትን ክልተ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ፒተር ዳተንን ኣዳም ባንዲትን ወንበሮም ዝተመንጠልሉን ዘካትት ኔሩ። እሞ ዓመተ 2025 ኣብ መሳልላት ስልጣን ካንቤራ ከመይ ሓሊፉ ክንምልከቶ ኢና።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service