ቀጥታ ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ታሕሳስ 2022)

Full Podcast

Credit: Getty Images

ዜና ጸብጻባት ዜና * ድሕሪ ናይ 2 ዓመታት ኲናት ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ፌዴራል ናብ መቐለ ኣምሪሑ። * ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ "ከይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ሓቢሩ። * ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣሜሪካን እንግሊዝን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ፣ መሰረታውያን ኣገልግልታት ክምለሳ ፀቕጢ ኣሐይለን። * ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ሕጂ ውን ብምቕታል፣ ምግፋዕን ምዕማጽ ደቀንስትዮን ተኸሲሶም። * ኢጋድ ንተግባራውነት እቲ ስምምዕ ሰላም ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ። * ላዐለዋይ ኣማኻሪ መገዲ ኣየር ዴልታ ዝኾኑ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ኣብ ኬንያ ሓዱሽ መሪሕነት ክረኽቡ ምዃኖም ተገሊጹ። ነቶም በዓል ልደት ሰንበት ዘብዓልኩም እንቋዕ ኣብቅዓኩም እናበልና መልእኽቲ በዓል ልደት ካብ መራሕቲ ኣውስትራልያ ከነቕርብ ኢና። ካብ ግጭታት ዓለም ናብ ተፈጥሮኣዊ ዕንወታት ኣብ ዓዲ፡ ዘቤታውን ዓለምለኻውን ክስተታት ኣብ 2022 ንፖለቲከኛታት ኣውስትራልያ ጸሚዶሞም። ኣውስትራልያውያን ኣብ ወርሒ ግንቦት ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር መሪጾም፡ ንባህልን ስነምግባርን ኣብ ኣዳራሻት ባይቶ ዝምልከቱ ግን ዘየቋረጹ ሕቶታት ኣብ'ዚ ዓመት ብዓብላሊ ቀሪቦም። ነዚ ዝገልጽ ትሕዝቶ እዚ ሒዝናዮ ዘለና እዋን ቅነ ኣውደኣመትን ሓድሽ ዓመት ፈረንጂን ብምዃኑ ካብ ልደት ብኣቆጻጽራ ግሪጎሮሳውያን ክሳብ ልደት ብኣቆጻጽራ ግእዝ ንበዓል ልደት ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ብተኸታታሊ ከነቕርበልኩም ኢና። ንሎሚ ንኣመጻጽኣ በዓል ልደት፣ ንምንታይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዕለታት ይበዓልን እቲ መዓልቲ ብሓቂ መዓልቲ ልደት ኢየሱስ ድዩ ንዝብሉ ሕቶታት መረዳእታ ክህብ ዝፍትን ብቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ዝቐረበ ትሕዝቶ ናባኹም ከነብሎ ኢና። ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት: *ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንወጻኢታት ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን ኣብ ምሽፋን መንግስቲ ክሕግዞ ሓቲቱ፣ *ኣሰልጣኒ ዉበቱ ኣባተ ኸኣ ናብ’ቲ ውራይ ሒዝዎም ዝኸይድ 28 ተጻወቲ መሪጹ፣ *ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ግጥማት ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ኣብ በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ከምዘይጻወት ተፈሊጡ፣ *ድሕሪ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ቐጠር ትጽቢታት ሃገራዊት ጋንትኦም ከማልኡ ዘይከኣሉ ብዙሓት ኣሰልጠንቲ ካብ ቦትኦም ክስጎጉ ወይ ባዕሎም ክሰናበቱ’ንከለው ካልኦት ኣብ ተጠንቀቕ ይርከቡ



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ታሕሳስ 2022) | SBS Tigrinya