ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (30 ጥቅምቲ 2025)

Full podcast SBS Tigrinya

Getty

ምሉእ ትሕዝቶ መደብ ኤስቢኤስ ትግርኛ (30 ጥቅምቲ 2025) * ዕለታዊ ዜና፡ - ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣብ ዋዕላ ኤፐክ ንምስታፍ ደቡብ ኮርያ ኣትዩ፡ - ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ሱዳን ንኤልፋሽር ተቖጻጺሮማ፡ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ተመዛቢሎምን - ሊቨርፑል ካብ ዋንጫ ሊግ ካፕ (ዋንጫ ካራባኦ) ብክሪስታል ፓላስ ተገሊፋ፡ * ጸብጻባት ዜና ካብ ልኡኽና፡ - ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ተራኺቡ፡ - ኤርትራ ንተስፋሕፋሒ ድሌት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰኒና፣ - ኲናት ፅንተት ትግራይ ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ግልጋሎት ጥራሕ ልዕሊ 10.8 ቢልዮን ዶላር ዕንወት ወሪዱ ክብል ኮሚሽን መፅናዕቲ ጀኖሳይድ ትግራይ ገሊጹ፣ - ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ኣስታት 8 ሽሕ ሓለፍቲ እቲ ውድብ ስጕምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ፣ * ትንተና ዜና ኩነታት ምዕራብ ሱዳን * ሓደ ካብ ሓሙሽተ ኣውስትራልያውያን በብዓመቱ ዓሳ ክገፉ ከምዝኸዱ ትፈልጡ ዶ፧ ናብ ሩባ፡ ገምገም ባሕሪ፡ ኣብ ደንደስ ኮንካ ድዩ ወይስ ኣብ ጃልባ ገመድ ብምዝርጋሕ፡ ምግፋፍ ዓሳ መሕለፊ ግዜ ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ባህሊ'ውን'ዩ። እንተኾነ ግን ሓደስቲ መጻእቲ ዘየስተውዕሉሎም ነገራት ኣለዉ፡ ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ኣውስትራልያ ምስ ሕግታቱ ከምዝመጽእን እዞም ሕግታት ድማ ኣገዳስነት ዘለዎም ምዃኖምን። ኣብ'ቲ ዘለኹሞ ግዝኣት ወይ ምምሕዳራዊ ዶብ ዝውሰን፡ ፈቓድ ምግፋፍ ዓሳ ከተውጽኡ የድሊ ድዩ ኣይኮነን፡ ዝኽልከልሎም ከባቢታትን ዝዕጸዉሎም ወቕትታትን፡ መጠን ትገፍዎምን ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ጽንተት ዝርከቡ ዓሌታትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ሕግታት ኣብ ተግባር ይውዕሉ። መምርሒታትን ዝበለጹ ኣገባባትን ኣብ ድሕነት፡ ኣተኣላልያ ጓሓፍን ኣተሓሕዛ ዓሳታትን'ውን ብተወሳኺ ኣለዉ። (ምሉእ ትሕዝቶ)



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service