ምውራድ ካብ ስልጣን ሓደ ሚኒስተር፣ ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ ጠለባት’ቲ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ንህንዲ ዝዓብለላ ዓቢይ ምረሻ ተቓውሞ ኣማሊኡ’ሎ።
ሚኒስተር ትምህርቲ ህንዲ ዳርሜንድራ ፕራዳን ካብ መዝነቱ ወሪዱ፣ ነቶም ንምልሓዃት ወይ ምሙላቓት ወረቓቕቲ ፈተና ሓላፍነት ወሲዱ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ክጠልቡ ዝጸንሑ ኣደምቲ መንእሰያት መላእ ሃገር፣ ዓቢይ ዓወት ከምዝጭብጡ ገይርዎም ኣሎ።
እቲ ሚኒስተር፣ ሰዓታት ቅድሚ መራሕቲ’ቶም መንእሰያት ካልእ ዙርያ ዝርርብ ምስ ሚኒስተራት ከካይዱ ምብጋሶምን፣ ፖሊስ ነቶም መንእሰያት ኣድመኛታት ክብትኑዎም ዘንብዕ ጋዝ ምስ ተኮሱሎምን’ዩ ቀዳም ካብ መዝነቱ ከምዝወረደ ዘፍለጠ።
"ኣብ ጃንታር ማንታርን ኣብ መላእ ሃገርን ተላዒሎም ዘለዉ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታዉ፣ እቶም ጸረ-ሃገራውያን ሓይልታት ነዚ ኩነታት ናብ ረብሕኦም መታን ከይቅይርዎ ወይ ከይምዝምዝዎ . . . ናይ ስንብታ ደብዳበይ ናብ’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ልኢኸ ኣለኹ፣” ክብል ሚኒስተር ፕራዳን ኣብ ናይ ኤክስ ገጹ ጽሒፉ።
"ንባህግታት፣ ስምዒታትን ሕጋዊ ትጽቢታትን ናይ’ዛ ሃገር መንእሰያት ኣዝየ የኽብሮ’የ።”
እቲ ዜና ምስ ተዘርግሐ ኣብ’ቶም ኣብ ማእከላይ ደልሂን ካልኦት ቦታታትን ዝነበሩ ኣሽሓት ኣድመኛታት ድሙቕ ጣቕዒትን ዕልልታን ተላዒሉ።
"ተዓዊትናሉ’ለና፣ ፈጺምናዮ፣” ክብል ነቶም ኣድማታትን ምረሻታትን ዝመርሐ መስራቲ ሰልፊ ኮክሮች ጃንታ ፓርቲ፣ ኣብ’ቲ ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ኣድማ ጃንታር ማንታር ኣብ ኒው ደልሂ ጭደራ ሓጎስ ተፈጢሩ።
መንእሰያት ኣብ’ቲ ቦታ “ዓወት ንህንዲ” ዝትርጉሙ “ጃይ ሂንድ” ዝብል ሃገራዊ ጭርሖ ኣስሚዖም።
ብመንእሰያት ዝተመርሐ ምንቅስቓስ "cockroach" movement ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝጀመረ ኮይኑ ሓደ ዋና ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ንካልእ ጉዳይ ይሰምዕ ኣብ ዝነበረ ሓደ መጋባእያ፣ ንገለ ስራሕ ዘይብሎም መንእሰያት ምስ ‘ድዱዓት/ኮክሮችስ’ን ‘ጽግዕተኛታት/ፓራሳይትስ’ን ድሕሪ ምንጽጻሩ’ዩ።
ኣብ ፈለማ ወርሒ ሰነ፣ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ተመሃሮ ሓደ ስቓይ ዝመልኦ ከቢድን ልዑል ክብሪ ዝወሃቦ መእተዊ ፈተና ስነ ሕክምና ደጊሞም ክወስዱ ዘገደዱ ብዙሓት ተኸታተልቲ ዝኾኑ ምልሓዃት ወረቓቕቲ ፈተናታት ነቶም ናይ ፈለማ ካብ ኢንተርነት ወጻኢ ወይ ኦፍላይን ዝተኻየዱ ናይ ተቓውሞ ኣድማታት ወሊዖሞም።
እቶም ኣድማዊ ተቓውሞታት ካብ ሽዕኡ ንደሓር ቀጺሎም፣ ሶኑይ ፖሊስ ኣድመኛታት ናብ ባይቶ ወይ ፓርላመንት ምምራሾም ንምግታእ ኣባትር ብምምዛዝን ዘንብዕ ትኪ ብምትኳስን ንደርዘናት ዝኾኑ ተመሃሮ ድሕሪ ምጉድኦም ቁጥዐ ገንፊሉ ወጺኡ።
ሰብመዚ ፈደራል ነቶም ተቓውሞታት ኣብ ኒው ደልሂ ክድርትዎም ንምፍታን ቀዳም ቀረብ ናብ ኢንተርነትን ናብ 18 ነቑጣታት ወይ መደበራት ባቡርን ወሲኖሞ።
ኣብ ቀረባ መዓልታት፣ ህንዳውያን ኣብ ኣውስትራልያ ነቶም ኣብ ዓዶም ዘለዉ ደጊፎም ተኣኪቦም።
እዞም ተቓውሞታት ብተወሳኺ ቁጠዐ ኣብ ልዕሊ ሕጽረት ሽቕለታት፣ ብልሽውናን መንግስታዊ ተሓታትነትን’ውን ዘንጸባርቑ’ዮም።
ቅልጡፍ ዕቤት ቁጠባ ብዘየገድስ፣ ሚልዮናት ሰባት ኣብ’ዛ ዝበዝሐ ህዝቢ ኣብ ዓለምና ዘለዋ ሃገር ዝተረጋግአን ጽቡቕ ዝኽፈሎን ስራሕ ክረኽቡ ይሽገሩ፣ እዚ ድማ ነቲ ዘይዕግበት የጓሃህሮ።
ብመሰረት ሓደ ናይ ቀረባ መጽናዕቲ ዳርጋ 40% ምሩቓት ህንዳውያን ትሕቲ 25 ሽቕለተኣልቦ’ዮም።
ንውዑይን እዋናዊን ሓበሬታ ካብ SBS News ክትረኽቡ download our app ከምኡ'ውን subscribe to our newsletter።






