ካብ'ዚ እዋን ንላዕሊ ገንዘብ ረኺበ ዘይፈልጥ ክንሰይ ኣዝዩ ዝወሓደኒ ኮይኑ ይስመዓኒ፣
ኣብ'ዞም ቀረባ ዓመታት ብዙሓት ምሸታት ኔሮም ከባቢ ሰዓት 11 ድ. ቀ. ኣብ መእተዊ ገዛይ መኪናይ ደው ኣቢለ ቅድሚ ንውሽጢ ገዛ ምእታወይ ኣብ'ታ መኪና ሱቕ ኢለ ንነዊሕ ኮፍ ይብል - ድሕሪ ናይ 16 ሰዓታት መዓልቲ ስራሕ.... ዘፍ ኢለ። ኪንዮ ናይ ቅድሚት መስትያት ናብ ባዶሽ ኣማዕድየ እናጠመትኩ 'ክንደይ ካልኦት ኣውስትራልያውያን ከምዚ ናተይ ተመሳሳሊ ይገብሩ'ለዉ'፣ ' ኣብ'ታ መዓልቲ ንመጻምድቶም ክርእዩወን ዕድል ዘይረኸቡ፡ ከይተበራበረት ካብ ድቃሳ ንግሆ ወጋሕታ ንስራሕ ኢሎም ገዲፎማ ዝኸዱ' ... ኢለ የስተንትን። ኣብ 2023 ሰለስተ ዓይነታት ስራሕ እናሰራሕኩ 70 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ይወፍር ኔረ- ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝረኸብኩዎ ገንዘብ ንላዕሊ እናረኸብኩ፡ ግን ከኣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ፋይናንሳዊ ወጥሪ ካብ'ዚ ንላዕሊ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን። [[እዚ ትሕቶ ብዛዕባ ክብሪ ናብራ ካብ ዝድህስስ ናይ ዘተ መደብ SBS Insight ዝተወስደ ኮይኑ ብዛዕባ ሰባት `ከበድቲ እዋናት` ኢሎም ዝገልጽዎም (Tough Times) ዝምልከት ዝቐረበ ትሕዝቶ`ዩ። ንምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብ SBS ON DEMAND ብነጻ ክትረኽብዎ ትኽእሉ። 👇 https://www.sbs.com.au/news/insight/article/i-have-never-earned-more-money-but-ive-never-felt-more-broke/31hheaflf
Share




