Teff is used to make Injera (flat bread) - a stapple food in the Horn of Africaካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝመጽወን ሃገራት ብዓይነት ሰብን ክኢላዊ ሞያን ጥራይ ዘይኮና ዝህብትማ በቲ ሒዞሞ ዝመጹ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ልምዲ፣ ኣመጋግባ፣ ኣለባብሳ፣ ሙዚቃን ስነጥበብን’ውን ይህብትማ’የን። ምናልባት ነዚ ከም ኣወንታ ድየን ዝምልከተኦ ወይስ ከም ኣሉታ ምስ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ሃዋህው፣ ትብዓት መራሕቲ፣ ህዝባዊ ደገፍን በብግዚኡ ዝቀያየር ርእይቶ ህዝብን ክፈላለ ይኽእል። ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ ከም’ዚኤን ዓይነታት ሃገራት ኮይና በብግዚኡ ብብዝሒ ወይ ብእኩብ ወይ ድማ በብውሑድ ብቐጻሊ ብዝመጹ ማዕበላት ህዝቢ ዝኸሰበትን ዝተቐየረትን ሃገር’ያ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ክነብሩዋ ዝጸንሑ ደቀባት ማሕበረሰባትን ሃብታም ባህሎምን ታሪኾምን ማለት’ዩ። ኣብ’ዚ ትሕዝቶ እምበኣር ገለ ተሞክሮታት ካብ ከባቢና ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት ብመንጽር መግብን ኣመጋግባን ክንምልከት ኢና።
Published
By SBS Tigrinya
Presented by SBS Tigrinya
Source: SBS / SBS Tigrinya
Skip to podcast episode contentShare this with family and friends
ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝመጽወን ሃገራት ብዓይነት ሰብን ክኢላዊ ሞያን ጥራይ ዘይኮና ዝህብትማ በቲ ሒዞሞ ዝመጹ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ልምዲ፣ ኣመጋግባ፣ ኣለባብሳ፣ ሙዚቃን ስነጥበብን’ውን ይህብትማ’የን። ምናልባት ነዚ ከም ኣወንታ ድየን ዝምልከተኦ ወይስ ከም ኣሉታ ምስ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ሃዋህው፣ ትብዓት መራሕቲ፣ ህዝባዊ ደገፍን በብግዚኡ ዝቀያየር ርእይቶ ህዝብን ክፈላለ ይኽእል። ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ ከም’ዚኤን ዓይነታት ሃገራት ኮይና በብግዚኡ ብብዝሒ ወይ ብእኩብ ወይ ድማ በብውሑድ ብቐጻሊ ብዝመጹ ማዕበላት ህዝቢ ዝኸሰበትን ዝተቐየረትን ሃገር’ያ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ክነብሩዋ ዝጸንሑ ደቀባት ማሕበረሰባትን ሃብታም ባህሎምን ታሪኾምን ማለት’ዩ። ኣብ’ዚ ትሕዝቶ እምበኣር ገለ ተሞክሮታት ካብ ከባቢና ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት ብመንጽር መግብን ኣመጋግባን ክንምልከት ኢና።