ኣውስትራሊያ ዘለዋ ትሑት ትሕዝቶ ነዳዲ ክብ ንምባል ሚሊዮናት በራሚል ነዳዲ ካብ ኣመሪካ ንምግዛእ ክትዘራረብ እያ። ኣብ ቪክቶርያ ክስርሓሉ ጀሚሩ ዘሎ ሕጊ ተሓጊዝካ ባዕልኻ ነፍስኻ ምቕታል ጓል 61-ዓመት ነፍሳ ብምቕታል ናይ ፈለማ ናይቲ ሕጊ ተጠቃሚት ኮይና። ኣብ ሱዳን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት መገዲ ዝኸፍት ዉዕል ኣብ መንጎ ወተሃደራዊያን መራሕቲ ሱዳንን ቀንዲ ጥምረት ተቓወምቲን ቅዋማዊ ኣዋጅ ተፈሪሙ።
Share






