ኢትዮጵያ ሓይልታታ ካብ ግዝኣት ሱዳን ከየውጸአትን እቲ መሬት ናይ ሱዳን ከም ዝኾነ ኣፍልጦ ከይሃበትን ንልዝብ ቅርብቲ ከም ዘይኮነት ሱዳን ገሊጻ።(ሓጸርቲ ጸብጻባት)

Source: Getty Images
ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኢትዮጵያ፥ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሴ ካብቲ ዝተሓስበሊ ጊዜ ከምዘይተሕልፍን ብጀካ ሕብረት ኣፍሪቃ ካልእ ሞንገኛ ኣብቲ ልዝብ ከም ዘይትቕበል ሓቢራ። ንሰራዊት ኢትዮጵያ ክመርሕ ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተመዝዘ ተጋዳላይ ህወሓት ዝነበረ ጀነራል ዮሐንስ ገብረመስቀል እቲ ኣብ ትግራይ ምስ ህወሓት ዝገጠመሉ ውግእ "ረሳሕ ኩናት" ብምባል ብልዝብ ክፍታሕ ድሌት ከም ዘለዎ ንኣምባሳደራት ተዛሪቡ። ኣብ ክልል ሶማል ኣብ ልዕሊ 40 ወረዳታት ከቢድ ድርቂ ኣጋጢሙ። ብተቓውሞ ኣብ ዓፋር ተዓጽዩ ዝነበረ መገዲ ኣዲስ ኣበባ ጁቡቲ ብሓይልታት ፌደራል ተኸፊቱ። ዝብሉ ኣርእስታት ጸብጻባት ሉኡኽና እዮም፡ ፡
Share