ኣርእስታት ዜና፥ ** ሎሚ ቪክቶሪያ 723 ሓደሽቲ ብኮቪድ 19 ዝተለኽፉ ሰባት ብምርካቦምን እቲ ቫይረስ ናብ 80 መዕቆቢ ኣረጋዊያን ብምልባዑ ነዚ ናይ ኣብ ማሕበረሰባት ምምሕልላፍ ዘሎ ንምቁጽጻር ኣጸጊሙ ከምዘሎ ተገሊጹ። ** ሎሚ ብኣፈላላይ ፖለቲካ ዝበኣሰሉ እዋን ከምዘይኮነ ላዕለዋይ ዳይረክተር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካ ገሊጹ። ** ኣብ ትግራይ ዋጋ ጣፍ ስለዝነሃረ፡ ህዝቢ እኽሊ መሸላ ከፍሪን ክበልዕን ክግደድ ምዃኑ ተገሊጹ። ** ናይ ዓለም ሻምፕዮና ኣሽሊ ባርቲ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ ዝግበር ዉድድር ጸወታ ቴንስ US Open ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ።
Share






