ቀንዲ ነጥቢታት ዜን፡ ** ኣብ ህንዲ ኣብ 1992 ሓደ መስጊድ ምቅጻሉ ስዒቡ ተኸሲሶም ካብ ዝነበሩ 32 ሰባት ካብቲ ገበን ነጻ ተባሂሎም። ** ፍሉጥ ምሁርን ፖለቲከኛ ኢትዮጵያዊ ፕሮፌሰር መስፍን ወልደ ማርያም ዓሪፉ። ** ሎሚ ኣብ ቪክቶሪያ 15 ሓደሽቲ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉን ክልተ ብምማቶምን ኣብታ ግዝኣት በዚ ቫይረስ ዝሞቱ 800 በጺሑ። ** ኣብ ብሪጣንያ ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝልከፉን ዝሞቱን እናበዝሐ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን መንግስቲ ተወሳኺ ምዕጻው ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ። ** ሰረና ዊሊያምስ ካብ ግጥማት ባይታ ቴኒስ ፍሬንች ኦፐን ወጺኣ።
Share






