Victorian Premier Daniel Andrews speaks to the media during a press conference Source: AAPኣርእስታት ዜና፡ ፈረንሳ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ወሲዳቶ ዘላ ምዕጻው ከተፍኩሶ ኣብትዳለወሉ እዋን ካብ መፋርቕ መጋቢት ንደሓር ዝተሓተ ቁጽሪ መልከፍቲ ኣመዝጊባ። ዉድብ ጥዕና ዓለም [[WHO]] ብመሰረት ሕቶ መንግስቲ ቻይና ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዝምልከት ሓበሬታ ሓቢኡ ጸኒሑ ዝብል ብናይ ጀርመን ማጋዚን ዝቐረበሉ ክሲ ነጺግዎ። ኣብ ኒው ሳውዝ ወልስ ዝርከቡ ተመሃሮ ምሉእ ብምሉእ ናብ ትምህርቶም ዝምለስሉ ኣብዚ መወዳእታ ወርሒ ከምዝከውን ተገሊጹ። ሓደ ካብ መሳርሕቱ ዝሓለፈ ሰሙን ብኮሮናቫይረስ ከምተለኽፈ ምስተረጋገጸ ናይ ኣመሪካ ምክትል ፕረሲደንት ገዛእ ርእሱ ወሺቡ። ኣብ ዒራቕ ኣቐዲምካ ምርጫ ክገብር ብምጥላብ ሰልፈኛታት ኣብ ባቕዳድ ጎማታት መካይን ከንድዱ ዊዒሎም።
ኣርእስታት ዜና፡ ፈረንሳ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ወሲዳቶ ዘላ ምዕጻው ከተፍኩሶ ኣብትዳለወሉ እዋን ካብ መፋርቕ መጋቢት ንደሓር ዝተሓተ ቁጽሪ መልከፍቲ ኣመዝጊባ። ዉድብ ጥዕና ዓለም [[WHO]] ብመሰረት ሕቶ መንግስቲ ቻይና ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዝምልከት ሓበሬታ ሓቢኡ ጸኒሑ ዝብል ብናይ ጀርመን ማጋዚን ዝቐረበሉ ክሲ ነጺግዎ። ኣብ ኒው ሳውዝ ወልስ ዝርከቡ ተመሃሮ ምሉእ ብምሉእ ናብ ትምህርቶም ዝምለስሉ ኣብዚ መወዳእታ ወርሒ ከምዝከውን ተገሊጹ። ሓደ ካብ መሳርሕቱ ዝሓለፈ ሰሙን ብኮሮናቫይረስ ከምተለኽፈ ምስተረጋገጸ ናይ ኣመሪካ ምክትል ፕረሲደንት ገዛእ ርእሱ ወሺቡ። ኣብ ዒራቕ ኣቐዲምካ ምርጫ ክገብር ብምጥላብ ሰልፈኛታት ኣብ ባቕዳድ ጎማታት መካይን ከንድዱ ዊዒሎም።