ዕለታዊ ዜና 21 ታሕሳስ 2020 SBS ትግርኛ

Source: Getty Images
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ *** ኣብ ኒው ሳውዝ ወልስ ምስቲ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ሲድኒ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብዝተሓሓስ 15 ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም። ***ኣውስትራሊያዊያን ስድራቤታት ኣብ ዉሽጢ 3 ዓመታት ካብቲ ዓመታዊ ዝኸፍልዎ ክፍሊት ኤለክትሪክ ናይ $190 ዶላር ጎደሎ ክፍሊት ክኸፍሉዮም። *** ለበዳ ኮሮና ቫይራስ ብሰላሕታ ናብ ኩለን ዞባታት ክልሕምን፡ ዝዀነ ናይ ጒዕዞ ታሪኽ ንዘይብሎም ዜጋታት ክለክፍን ከምዝጀመረ ብምግላጽ፡ ኤርትራ ሓድሽ ቀይዲታት ኣተኣታታትያ *** ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ፕሪሜር ሊግ እንግሊዝ ናብ ሳልሳይ ደረጃ ደይባ።
Share