ኣርእስታት ዜና፡ ** ኣብ ቪክቶሪያ ሎሚ 73 ሓደሽቲ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም 41 ድማ ሞይቶም። ** ኣብ በላሩስ ትማሊ ዓሰርተታት ኣሻሓት ህዝቢ ዝተሳተፎ ዓቢ ተቓዉሞ ኣብ ዋና ከተማ ሚንስክ ክግበር ውዒሉ። ** ብዓበይቲ ካራቫን መኻይን ዝጟዓዙ ዝነበሩ ደገፍቲ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕን ሰላማዊ ሰልፈኛታት ‘Black Lives Matter’ ኣብ ፖርትላንድ, ኦረገን ተጋጭዮም ሓደ ሰብ ብጥይት ተቐቲሉ። ** ልዕሊ 200 ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክትጥሕል ምስበለት ሓለዋ ባሕሪ ጥልያን ነታ ናይ ድሕነት ጃልባ ልኢኹ። ** መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ምስ ዕጡቓት ስምምዕ ሰላም ይፍርም ** ኩዕሶ እግሪ A-League, ኣብ ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ጸወታ Sydney FC ን Melbourne City 1-ብ ባዶ ብምስዓር ንሓሙሽተ ግዜ ናይ A-League ሻምፕዮን ኮይና። ሎሚ ብዘቕረብናዮም መደባት ዓጊብኩም ክትኮኑ ተስፋ እናገበርኩ ኣብ ዝመጽእ ናይ ሓሙስ መደብና ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ሒዝና ክሳብ ንለሰኩም ሰላም ቅነ።
Share






