ዕለታዊ ዜና 9 ሕዳር 2020

Source: SBS
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሰልፊ ሪፑብሊካዊያን ካብ ቀንዲ ተጠመቲ መራሕቲ ኮይኑ ከምዝቕጽል ሰኔተር ሚት ሮምኒ ገሊጹ፡ እቲ ፕረሲደንት ግን ነቲ ዉጽኢት ምርጫ ዳግማይ ክፍቀድ ክሓትት መሰሉ እዩ ኢሉ። ** ምስ ናይ ኣመሪካ ምሩጽ ፕረሲደንት ጆ ባይደን. ኮይኑ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምምካትን ወዲቑ ዘሎ ቁጠባ ንምብርባርን ብሓባር ክሰርሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ተስፋኡ ገሊጹ። ** ኣብ ቪክቶሪያ ብሰንኪ ለበዳ ዝጸንሐ ቐይዲ ሓደ ንቕድሚት ስጉሚ ሰጒሙ፥ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ደቂ መልበርን ናብ ዞባታት ቪክቶሪያ ክንቀሳቐሱ ተፈቒዱ። ** ኣብ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 50 ሚልዮን በጺሑ፡ ርብዒ ካብዚ ኣብ ካልኣይ ማዕበል መልከፍቲ ዝተኸስተ እዩ። **ኣብ ትግራይ ሃንደበት ባንክታት ስለዝተዓጽዋ ሰባት ዕለታዊ መሰረታዊ ድሌቶም ዘማልኡሉ ገንዘብ ይውሕዶም ከም ዘሎ ይግለጽ ኣሎ።
Share