ዕለታዊ ዜና 19 ሕዳር 2020 SBS ትግርኛ

Source: SBS
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና ፡ ** እቲ ፈርዩ ዘሎ ክታበታት ኣብዝተፈላለዩ ዕድመን ዓሌትን ዘለዉ ህዝቢታት ብማዕረ ከምዝሰርሕ ኣረጊጾም ኣለዉ። ** ጃፓንን ኣውስትራሊያን ፈሪመናሉ ዘለዋ ወተሃደራዊ ስምምዕ ንሃገራዊ ጸጥጣኣ ስግኣት እንተኾይኑ ክልቲኤን ሃገራት ዋጋ ክኸፍላሉ እየን ክትብል ቻይና ኣጠንቂቓ። ** ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ ኣብ ተወኣልዶ ኣምሓራ ጭፍጨፋ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣብዝሓለፉ 2 ሳምንታት 142 ዕጡቓት ኦነግ ቀቲለን ኣቑሲለን ክብል መንክስቲ ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ። ** ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሽረን ራያን ኣትዩ ናብ መቐለ ይግስግስ ከምዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ፥ ዶክተር ደብረጽየን ኣሚኑ። ** ኣብ Rugby League, Queensland ኣብ ግጥም State of Origin 20 ነጥቢ ብ 14 ብምስዓር ድሕሪ 3 ዓመታት ተዓዋቲት ኮይኑ።
Share