“ሐዚ ናብ ምሉእ መኸተ ወራር ኢና ኣቲና ዘለና ብኹሉ ወገን ክንውልዓ ኢና። ኩላ ትግራይ ረመጽ ክንገብራ ኢና።”D

ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራል መንግስቲን ዝግበር ዘሎ ኲናት ከምዝቐጸለን፡ ብወገን ክልል ኣምሓራ ሰራዊቶም ናብ ከባቢ ሑመራ ይኣትዉ ከምዘለዉ ክገልጹ'ከለዉ፡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ግና ክንዮ ዶብ ትግራይ ናብ ርሑቕ ከይድናውን ክንድምስሶም ኢና ክብል ገሊጹ ኣሎ። ገለ ካብቲ ፕረሲደንት ትግራይ ዘቕረቦ መግለጺ ኣብዚ ኣቕሪብናዮ ኣለና። "ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ኣጽዋር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና እዩ ኣትዩ።" "ንህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ ዝገበርናዮ መጸዋዕታ ኣወንታ መልሲ ረኺቡ ኣሎ።"
Share