ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ካብ ምጉዳል ግብሪን ዝተገብረ ደገፍን $7 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ገንዘብ ን 8 ሚልዮን ኣውስትራሊያዊያን ተዋሂቡ። (ዕለታዊ ዜና 11 ጥሪ 21)

Source: Getty Images
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ***ዝበዝሐ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ኣንጻር ኮቪድ ክታበት ኣስትራዘነካ ኣብዚ ዓመት ከምዝኽተብ ሰብ መዚ ገሊጾም። *** ሎሚ ድሕሪ ሰዓት 6 ናይ ምሸት እቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዕጽዋ ስለዝለዓል ነበርቲ ከተማ ብርዝበን ነጻነቶም ዳግም ከስተማቕሩ ክጅምሩ እዮም። *** ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ካብ ምጉዳል ግብሪን ዝተገብረ ደገፍን $7 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ገንዘብ ን 8 ሚልዮን ኣውስትራሊያዊያን ተዋሂቡ። *** ሎሚ ሙቐትን ደረቕ ኣየርን ዘለዎ ኩነታት ብምህላዉ ኣብ ደቡብ ኣውስትራሊያ ንዝህሉ ባርዕ ጫካ ንምምካት ጉጅለታት ምጥፋእ ሓዊ ተዋፊሮም
Share