ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ 08 ለካቲት 2021

Source: Getty Images
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ **ናይ ኣልጀዚራ ሪፖርተር ግብጻዊ ጋዜጠኛ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈቲሑ። **ኣብ ቪክቶሪያ ኣብ ሓደ መወሸቢ ሆቴል ዝሰርሕ ሰብ ብኮቪድ-19 ተለኺፉ። ** ኣብ ሶማሊያ ኣብ መገዲ ብዝነተገ ፈንጂ ዓሰርተታት ሰባት ተቐቲሎም። **ኣብ ሙይንማር ንዝተገብረ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት እታ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ጌሮም። ሰልፈኛታት “ወተሃደራዊ ዕብለላ ደው ይበል” ዝብል ጭርሖ ክጭርሑ ዊዒሎም። ** ዉድድራት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ተጀሚሩ፡ 50% ዓቕሚ ናይቲ ስተድዮማት ተዓዘብቲ ክኣትዉ ተፈቒዱ።
Share