ኣርእስታት ዜና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ከም መራሒ ብህዝቢ ተቐባልነቱ ኣብዝለዓለ ደረጃ ከምዝርከብ ተገሊጹ። ሕብረት ኣውሮጳ ዶባቱ ኣብ ሓደ ሓምለ ኣብዝኸፍተሉ ኣውስትራሊያ ካብተን ዜጋታታ ናብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝፍቀደሎም ኮይና ኣብዝርዝር ሃገራት ተሰሪዓ። ሓድሽ ናይ ማላዊ ፕረሲደንት ኮይኑ ዝተመርጸ ላዛሩስ ቻክዌራ ቃል ማሕላ ፈጺሙ። ኣብ ቪክቶሪያ ሎሚ 75 ሓደሽቲ ብኮሮና ቫይረስ ከምተለኽፉ ተረጋጊጹ። ኣብ ኤርትራ ብኸፊል ትምህርቲ ከምዝጅምር፡ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣፍሊጡ።
Share






