ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ 22 መጋቢት 2021

Source: Getty Images
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ኒው ሳውዝ ዌልስ ፡ ኣብ ምዕራብ ሲድኒ ድማ ሎሚ ብዘሎ ብርቱዕ ዝናም ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብታ ከተማ ወጺኦም። ** ቀንዲ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ ዝምልከት ዘውጽእዎ ርኡይ ናይ ስም ምኽፋእ ዘመተ ዘስደምም ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ። ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ኣብዝጸሓፎ መልእኽቲ ገሊጹ። ** ኣብ ትሕቲ ኮቫክስ ዝወሃቡ ክታበታት ንፈለማ ግዜ ኣብ ክልታት ፍልስጤም ይወሃቡ ኣለዉ ። **ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዘሎ ከቢድ ኩነታት ኣየር ነቲ ኣብ መላእ እታ ክፍለ ግዝኣት ዝወሃብ ናይ ኮቪድ-19 ክታበታት ከይዕንቅፎ ናይ ፈደራል ጥዕና ሰበስልጣን ሰጊኦም።
Share