ኢትዮጵያ ካብ ቻን2023 ተገሊፋ፣ ጁቬንቱስ 15 ነጥቢ ተቐጺዓ፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ናይ ኣውስትራልያ ቅድድሙ ዛዚሙ
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት * ኣልጀርያ ኣብ ተአንግዶ ዘላ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን 2023 ኢትዮጵያ ተሳትፎኣ ኣጠናቒቓ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ኣውስትራልያ ሳንቶስ ቱር ዳውን ኣንደር ብዓወት ኣውስትራልያዊ ጀይ ቫይን ተዛዚሙ፣ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ንኡድ ምንቅስቓስ ብምርኣይ መበል 14 ኣትዩ፣ * ኣባል ጋንታ ኢንተርማሽ-ሰርከስ-ዎንቲ ዝኾነ ኤርትራዊ ኮኾብ ቢንያም ግርማይ ን2023 ዓሊምዎም ዘሎ ውራያት ዝርዝሮም ኣፍሊጡ፣ * ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ 23 ጥሪ ኣብ ጋቦን ዝጅምር መበል 16 ቅድድም ብሽግለታ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ንምስታፍ መፋነዊ ተኻይዱላ፣ * ሓንቲ ካብ’ተን ዝዓበያ ጋንታታት ዓለም ዝኾነት ኢጣልያዊት ዩቬንቱስ ብናይ ሓሶት ሕሳባት ተኸሲሳ 15 ነጥቢ ተቐጺዓ፣
Share