Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ኲናት ከይገደሳ ንተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኢዳ ዘርጊሓ ትቕበሎም ኣሜሪካዊት ከተማ

Iran rules out participation in 2026 FIFA World Cup

An illustration shows the Iran flag displayed on a smartphone with the FIFA World Cup 2026 logo visible in the background on March 11, 2026, in Palermo, Italy, after Iran’s sports minister ruled out the country’s participation in the 2026 FIFA World Cup amid geopolitical tensions. Source: SIPA USA / Cristian Bonaviri/Sipa USA/AAP Image

ኣብ መጻብቦ ሖርሙዝ መራኽብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንመራኽብ ነዳዲ ኢራን ኣብ ሓደጋ የእትወአን፣ ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ፍጹም ዓወት ይጠልብ። ኣብ ቱሶን (Tucson) ግን ዝኾነ ነገር ከም ዘይተፈጥረ ክመስል ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ኢዶም ዘርጊሖም ክቕበሉ ይሸባሸቡ’ለዉ።


Published

By AFP - SBS

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS / SBS Tigrinya


Share this with family and friends


ኣብ መጻብቦ ሖርሙዝ መራኽብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንመራኽብ ነዳዲ ኢራን ኣብ ሓደጋ የእትወአን፣ ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ፍጹም ዓወት ይጠልብ። ኣብ ቱሶን (Tucson) ግን ዝኾነ ነገር ከም ዘይተፈጥረ ክመስል ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ኢዶም ዘርጊሖም ክቕበሉ ይሸባሸቡ’ለዉ።


ዝዓበየ ስፖርታዊ ውራይ ዓለምና ዝኾነ ዋንጫ ዓለም ፊፋ፣ ኣብ ዩኤስ፣ ሜክሲኮን ካናዳን ዝመጽእ ወርሒ ምስ ተኸፍተ፣ እታ ከተማ፣ ፈልፋሊት ስልጣነ ኣብ በረኻ ኣሪዞና ደዘርት ኮይና፣ መበገሲ መደበር መዓስከር ን’ጋንታ ሜሊ’ ክትከውን’ያ።

“ኣብ’ዚ ከነአንግዶም ብጣዕሚ ተሓጒስና ኢና ዘለና፣ ኣወንታዊ ተሞክሮ ድማ ክንህቦም ኢና፣” ዝበለት ሳራ ሃና፣ ኣካያዲት ናይ’ቲ እታ ሃገራዊት ጋንታ ክትለማመደሉ ዝኾነት ኣዳራሽ ስፖርት 'ኪኖ ስፖርትስ ኮምፕሌክስ' እያ።

ተጻወቲ ኣብ’ቶም ምድባዊ ግጥማቶም ኣንጻር ኒውዚላንድ፣ በልጅምን ግብጽን፣ ዘአንግዱ ሜዳታት ሎንስ ኣንጀለስን ሲያትልን ናብ ሜዳ ምስ ወረዱ ዝኾነ ዘይተጸበይዎ ነገር መታን ከየጋጥሞም ንምርግጋጽ ሳዕሪ ማይ ከምዝሰቲን ናብ’ቲ መምርሒታት ፊፋ ዝፈቕድዎ ቁመትን ከምዝቑረጽን ይግበር ኣሎ።

ክፍልታት ሆቴልን መአከቢ ቦታታትን ኩሉ ተታሒሎም፣ ጸጥታ ድማ ጥቡቕ ኮይኑ’ሎ።

A middle-aged white woman smiling. She's leaning against a fence, a football pitch is behind her.
Kino Sports Complex director Sarah Hanna said the Iranian team would have a positive experience. Source: AFP / Rebecca Noble

“ሕጂ፣ ኣነ ምናልባት ብማእከላይ ገምጋም ከባቢ 12-20 ርክባትን ኣኼባታትን ኣብ ሰሙን ብዛዕባ’ዚ መሳለጥያ ልምምድ የካይድ ኣለኹ፣” ዝበለት ሃና “እቶም ርክባት ካብ መግብን ዝስተ ነገራትን. . . ክሳብ ብዙሓት ርክባት ምስ’ቶም ሚዳታት ክከታተሉ ዝመጹ ኣባላት ፊፋን።” ዝበጽሑ’ዮም ትብል።

እዚ ሸበሸብ ንጥፈታት ኣብ ቱሶን ዝመጽእ ዘሎ ኣንጻር’ቲ ናይ ኲናት ድሕረ ባይታ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን እስራኤልን ብሓደ ወገን ኢራን ድማ በቲ ካልእ ሸነሕ ሕጂ መበል 11 ሰሙኑ ኣብ ዝገበረሉ’ዩ።

ኣብ ቀይቀይ ዝርከብ ናይ ሓደ ወርሒ ውዕል ምቁራጽ ተዂሲ ይሃሉ’ምበር፣ ተጻብኦታት ገና ከይተፈትሑ ደሪቖም’ዮም ዘለዉ፣ ኢራን ብመሰረቱ ንወሽመጥ ሖርሙዝ ዓጽያቶ’ያ ዘላ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፣ ኢራን፣ ግጥማታ ካብ ዩኤስ ናብ ሜክሲኮ ክሳብ ዘይተዘዋወሩ፣ እታ ሃገራዊት ጋንትኣ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክትጻወተሉ ትኽእል ዕድል ዘይከውን’ዩ ኢላ ኔራ።

ኣብ’ቲ ወርሒ ትራምፕ’ውን እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ’ቲ ውራይ ክትህሉ ድያ ኣብ ምጥርጣር የእትይዎ ኔሩ፣ መጺኣ ክትሳተፍ ክንቅበላ ኢና እንተበለ’ኳ እቲ ሓሳብ ግን ጽቡቕ ከይከውን ይኽእል’ዩ ኢሉ።

“ንህይወትን ድሕነትን ገዛእ ርእሶም ኣብ’ኡ ክህልዉ ብልክዕ ግቡእ ኣይኮነን ኢለ’የ ዝኣመን።” ክብል ከኣ ወሲኹ።

እንተኾነ ግን ኣወሃሃድቲ ፊፋ ከም’ቲ ዝተመደቦ እታ ጋንታ ኣብ’ቲ ውራይ ክትሳተፍ’ያ ክብሉ ጸኒዖም፣ ስለ’ዚ ቱሶን ምድላዋታ ቀጺላትሉ።

“ንዓና ብዝምልከት፣ 100% ክመጹ ምዃኖም ውዱእ’ዩ፣ ተሪፉ ተባሂሉ ፈጺሙ ኣይፈልጥን’ዩ፣” ክትብል ሃና ትገልጽ።

“ከም ጋንታ ተፈልዮም ምስ ተመደቡ፣ ንሕና ንዕኦም ከም ጋንታና ገይርና ብምርኣይ ንቕድሚት ክንምርሽ ጸኒሕና፣ ካብ ፊፋ ካልእ ዝተፈልየ ነገር ወይ መልእኽቲ ክሳብ ንሰምዕ።”

እዚ እቲ ወግዓዊ መርገጺ ምዃኑ ብዘየገድስ ግን ብዙሕ ምጥርጥራት’ውን ኣሎ’ዩ።

ዝሓለፈ ዓርቢ፣ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢራን እታ ጋንታ ክትሳተፍ ምዃና ኣፍሊጡ፣ እንተኾነ ግን ዝርዝር ዝተፈላለዩ ጠለባት’ውን ኣቐሚጡ፣ ንምውሓስ ቪዛታትን ኣተኣላልያ ኣባላትን ዝምልከት ወሲኽካ ማለት’ዩ።

ንዝኾነ ምስ’ቲ ኣብ’ዚ እዋን ነታ ሃገር ተቖጻጺርዋ ዘሎ ዝመስል፣ ግን ከኣ ዩኤስ ከም ሓደ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ትጥምቶ፣ ኢራናዊ ሓለዋ ሰውራ (ኢራኒያን ሪቮሉሽናሪ ጋርድ ኮርፕ) ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት ብፍሉይ ልዑል ሻቕሎት ኣሎ።

ነበርቲ ቱሶን ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብዛዕባ “ህይወትን ድሕነትን” እታ ጋንታ ዘአንፈቶ ምፍርራሕ ይነጽግዎ።

Male footballers training on a green pitch
There has been uncertainty about whether Iran would participate in the World Cup. Source: Anadolu / Suleyman Elcin

“እዚ ፕረዚደንትና ኣብ ሶሽላ መድያ ክጥቀም’ንከሎ ቁሩብ ፈኸራ ብምብዛሕ’ዩ ዝፍለጥ፣” ይብል ጆን ፐርልማን፣ ፕረዚደንት ናይ’ቲ ከባቢ ፕሮፌሽናል ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዝኾነት ቱሶን ኤፍ ሲ።

“ፕረዚደንት ትራምፕ ይኹን ካልእ ኣካል ናይ’ቲ መንግስቲ ጽቡቕ ዘይተቐበልናዮም ኮይኑ ክስመዖምን ድሕነት ከይስመዖምን ስራሕና ኢሎም ዝሕዝዎ ነገር ዝኸውን ኣይመስለንን። እዚ ኣንጻሩ ዝኸይድ ይመስለኒ።” ክብል ንሱ ወሲኹ ገሊጹ።

'ኣእዳውና ዘርጊሕና ኢና ንቕበሎም'

ኣብ’ቲ ሜዳ ስፖርት ኪኖ ስፖርትስ ኮምፕሌክስ ተጻወቲ ኢራን ናብ’ቲ ናይ’ታ ክለብ ክብደት መሰልጠኒ መሳለጥያታት፣ ትእለኸሎም በረዳትን ትድረዘሎም ጣውላታትን ክጥቀምሉ ክፍቅደሎም’ዩ።

ፐርልማን ብክፉት ኢድና ኢና ንቕበሎም፣” ይብል።

A man wearing black trousers and a grey polo shirt sitting in front of lockers
FC Tucson founder Jon Pearlman said football was about bringing people together. Source: AFP / Rebecca Noble

“ንሕና ኣካል ማሕበረሰብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ኢና። ኣካል ናይ’ቲ ፊፋ ክገብሮ ዝፍትን ዘሎ ኢና፣ እዚ ግጥም ንሃገራት፣ ክፈላልየና ንምድፋእ ዘይኮነ፣ ብሓባር ዝጠምር ነገር’ዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘለና።"

እዚ ኣብ መላእ’ዛ 540,000 ሰባት ዝነብርዋ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራት ትዝንብል ብዝሐባህላዊት ከተማ ብሰፊሑ ዝቃላሕ ዘሎ ስምዒት’ዩ።

“ኣብ’ዚ ምስ መጹ ጽቡቕ ክስመዖም ተስፋ’ገብር፣” ዝበለ ኩዕሶ እግሪ ውሽጢ ኣዳራሽ ዝጻወት ሮብ ማክለይን’ዩ።

“ዋላ’ኳ እቲ ንፍጽሞ ዘለና ተግባር ንፍጽሞ እንተሃለና፣ ትርጉም ዘይብሉ’ዩ፣” ኢሉ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ብምግላጽ።

ዋላ’ውን ጥቓ’ቲ ወተሃደራዊ መደበር’ቲ ከባቢ - ነፈርቱ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ’ቲ እታ ጋንታ ልምምድ ተካይደሉ ሜዳ ክትዝንቢ ዝኾነት - ሪፓብሊካ ኣድመጽቲ ኣብ መንጎ ስፖርትን ጂኦፖለቲካን ንጹር ፍልልይ ኣቐሚጦም።

“ኣነ ክመጹ ምዃኖም ሕጉስ’የ፣” ይብል እቲ ኲናት ኢራን ኑክለሳዊ ቦምብ ከይትረክብ ንምክልኻላ ኣድላዪ ኔሩ ኢሉ ዝሓስብ ገዲም ወተሃደር ነበር ማይክል ሆሊ።

ትራምፕ ድሕነት ተጻወቲ ዘልዓሎ “ኢራናውያን ተጻወቲ ናይ ባዕሎም ድምጺ እንተሃልይዎም ብመንግስቶም ክቕጽዑ’ዮም ኢሉ ስለዝፈርሐ’ዩ፣” ክብል እዚ ወዲ 68 ዓመት ማይክል ይገልጽ።

“ህዝቢ ኣሜሪካ ስግኣት’ዮም ማለቱ ኣይኮነን፣” ክብል ከኣ ይውስኽ።

እንተኾነ ግን ኩሉ ሰብ ኣይኮነን ኣብ ቱሶን ብዛዕባ ተኽእሎ ምምጻእ ጋንታ ኢራን ኣብ ከተምኦም ዝተሓጎሱ።

ንገሊኦም ኣብ’ቲ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ፐርሺያ ኣብ ቱሶን እቶም ተጻወቲ ቁሩብ ልዕሊ ልኡኻት ናይ ሓደ ኣብ ልዕሊ ህዝባውያን ተቓውሞታት ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ደማዊ ምዕፋን ኣበጊሱ ኣሽሓት ሰባት ዝቐተለ ስርዓት’ዮም።

ወዲ 68 ዓመት ሰራሕተኛ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ (IT) ዓሊ ረዛይ ክትድግፎም “ዘይከኣል” ክኸውን’ዩ ይብል።

“ኣንጻሮም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እንተሃልዩ ክኸይድ ይኽእል’የ፣” ክብል ድማ ይውስኽ።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now