ኣማነ በሪሶ ኣብ ማራቶን ቫለንስያ ታሪኽ ሰሪሓ፣ ጉዕዞ ሰነጋል ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣብቂዑ፣ ኣውስትራልያውያን ብጋንትኦም ይሕጎሱ

Credit: Runnersworld
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/12/2022) * ኣማነ በሪሶ ኣብ ውድድር ማራቶን ‘ቫለንስያ’ ተዓዋቲት ኮይና፣ ለተሰንበት ግደይ ንፈለማ ግዚኣ ተሳቲፋ ካልኣይቲ ወጺኣ፣ * ሻምፒዮን ዓለም ኢትዮጵያዊት ጎትይቶም ገብረስላሰን ኬንያዊ ኤልዮድ ኪፕቸገን ዝመጽእ ዓመት ኣብ ማራቶን ቦስተን ንፈለማ ግዚኦም ክሳተፉ’ዮም፣ * ኢትዮጵያውያን ተቐዳደምቲ ዝሳተፍዎ ቅድድም ብሽግለታ መንእሰያት ደቂተባዕትዮ ሲኤሲ ናይል ቱር ኣብ ኣስዋን፣ ምስሪ፣ ይካየድ ኣሎ፣ * ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ዘሎ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ/ቻን ንምድላው ክሳብ 42 ዝኾኑ ተጻወቲ ጸዊዑ፣ * ጉዕዞ ሰነጋል ኣብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ኣብ ዘኽተመሉ ተጻወቲ ኣውስትራልያ ደገፍቲ ሃገሮም በቲ ዘርኣይዎ ብቕዓት ሕጉሳት ምዃኖም ከምዘሐበኖም ገሊጾም ዝብሉ ገለ ትሕዝቶታት ንምልከቶም’ዮም፣ ሰናይ ምክትታል።
Share