ቢንያም ግርማይ ጽላሎት መዛዘሚ መስመር ምርኣይ ከሊእዎ ክንሱ ኣብ 2023 ናይ ፈለማ ዓወቱ ኣመዝጊቡ፣ ርእሱ ሒምዎ ግን ኣቋሪጹ

ALTEA, SPAIN - FEBRUARY 01: Biniam Girmay of Eritrea and Team Intermarche’ – Circus – Wanty celebrates at finish line as stage winner during the 74th Volta a la Comunitat Valenciana 2023 - Stage 1 a 189,4km stage from Orihuela to Altea / #VCV2023 / #VoltaValenciana / on February 01, 2023 in Altea, Spain. (Photo by Dario Belingheri/Getty Images) Credit: Dario Belingheri/Getty Images
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት * ኢትዮጵያውን ኣትሌታት ኣለምነሽ ጉታን ቀበነ ኡሪሳን ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ ኣክሰስ ባንክ ሌጎስ ሲቲ ማራቶን ቀዳመይትን ካልኣይትን ብምውጻእ ተዓዊተን፣ * ቢንያም ግርማይ ብምኽንያት ኣብ ግዜ ዕራርቦ ዝተፈጥረ ጽላሎት መዛዘሚ መስመር ክርእዮ ይኽእል እንተዘይነበረ’ኳ ናይ ፈለማ ዓወቱ ኣብ 2023 ኣመዝጊቡ፣ እንተኾነ ግን ርእሱ ሓሚሙ ካብ ቅድድም ኣቋሪጹ፣ * ኣብ ኣልጀርያ ክካየድ ዝቐነየ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ቻን 2023 ብዓወት ሰነጋል ተዛዚሙ፣ * ቀዳመ ሰንበት ድሕሪ ዝተኻየዱ ግጥማት ምረሻ ናፖሊን ባርሴሎናን ናህሪ ክውስኽ እንከሎ ኣርሴናል ግን ብሓድሽ ኣሰልጣኒ ሾውን ዳይሽን ኤቨርተንን መግትኢ ተገይሩላ
Share