ኣብ ማራቶን ቶክዮ ዝለዓለ 5 ተርታታት ኣትሌታት ኢትዮጵያ ወሲዶሞ፣ ራሄል ዳንኤል ኣብ ጉያ እግሪ መሮር ዝበለጸት ኮይና፣ ‘ተጻወቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ብህይወቶም ዝተበልዕሉ ዘሕፍር ስዕረት’ ጋሪ ነቪል

Liverpool's Mohamed Salah during the Premier League match at Anfield Source: AAP / AAP
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት * ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ጎየይቲ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ቶክዮ ካብ ሽዱሽተ ቦታታት ፖድየም ሓሙሽቲኡ ብምውሳድ ተዓዊቶም፣ * ኤርትራዊት ራሄል ዳኒኤልን ኣብ ዑደት ውድድር ጉያ እግሪ መሮር ኣትለቲክስ ዓለም 2022/2023 ዝለዓለ ተርታ ሒዛ ኣጠናቒቓ፣ * ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት ት23 ኢትዮጵያ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ት23 ከምዘይትሳተፍ ድሕሪ ምፍላጣ ኣብ ናይ መወዳእታ ዙር መጻረዪ ግጥማት ኣልጀርያ ኣንጻር ጋና ክትገጥም ምዃና ተፈሊጡ፣ * ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዝተኻየዱ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣርሴናል መሪሕነታ ክትዕቅብ እንከላ ሊቨርፑል ከኣ ምስራዊ ኮኾብ መሓመድ ሳላሕ ናይ’ታ ጋንታ ዝለዓለ ሽቶ ኣመዝጋቢ ኣብ ዝኾነሉ ታሪኻዊ ዕለት ንጎረቤታን ዝዓበየት መቐናቕንታን ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ታሪኽ ግጥማት ክልቲኤን ጋንታታት ዝዓበየ ዝኾነ 7-0 ስዒራታ፣
Share