Key Points
- ካይል ቫንደር-ኩይፕ ሕቡን ዎርይሚን ዩይን ማን ኣብቲ ኣብ ኣትላንታ 1996 ከምኡ ድማ ኣብ ሲድኒ 2000 ዝተገብረ ጸወታታት ኦሎምፒክ ናይ 110 ሜትሮ ዉድድር ንኣውስትራልያ ወኪሉ ተጻዊቱ እዩ ።
- ሊድያ ዊልያምስ ሕብንቲ ጓል ኖኣንጋሪ ሰበይቲ ፡ ካብ 2005 ክሳዕ 2024 ኣብ ማቲልዳስ ኣ ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራልያ ተጻዊታ ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ፡ ብዙሓት ስፖርተኛታት ቀዳሞት ህዝብታት ኣብ ፕሮፌሽናል ጸወታታት ተሳቲፎም እዮም ። ናይ ቀደም ተጓሳጣይ ኦሊምፒክ ዝነበረ ካይል ቫንደር-ኩይፕ ፡ ፕሮፌሽናል ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ ሊድያ ዊልያምስ ፡ ከምኡ ድማ ፍልጥቲ ተቐዳዳሚት ካቲ ፍሪማን ዝኣመሰሉ ሰባት ንሃገሮም ወኪሎም ጥራይ ዘይኰኑስ ፡ ንሓበን ባህልታቶም ኣብ መድረኽ ዓለም እውን ኣንጸባሪቖም እዮም ። እዚ ጕዕዞ እዚ ፡ ስፖርት ብብሕታዊ ኰነ ብእኩብ ፡ ማለት ርእስኻ ናይ ምግላጽን ናይ መንነትን ምትእስሳርን መድረኽ ምዃኑ እዩ ዘዘኻኽረና ።
ብኸመይ'ዮም ደቀባት ኣትሌታት ናይ መጻኢ ወለዶ ሓበንን መርኣያን ዝኾኑ?
ከም ሊድያ ዊልያምስን ካይል ቫንደር-ኩፕን ዝኣመሰሉ ደቀባት ኣውስትራልያ ስፖርት ፡ ነቶም ቅድሚኦም ዕዉታት ብምርኣይ ፡ ኣብቲ ውድድር ዝካየደሉ ኣህጉራዊ ስፖርት ንኺዕወቱ ሓጊዝዎም እዩ ።
"ኩሉግዜ እየ ስፖርት ዝፈቱ ፡ ኩዕሶ እግሪ እፈቱ ፡ ምጽዋትን ንሃገረይ ወኪለ ክጻወትን ከኣ ወትሩ እፈቱ እየ ። ይኹን እምበር ፡ ንባህለይን ንህዝበይን ብምውካል ነቲ ኣዝዩ ዘደንጹ ተመክሮን ኣርኣያ ምዃንን እዩ ፣ ብተወሳኺ ስፖርት ካብ ዝዀነ ይኹን ቦታ መጺእካ ንሕልምታትካ ጋህዲ ክትገብሮ እትኽእል መገዲ እውን እዩ " ብምባል ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣውስትራልያ ናይ ኖንጋር ሰበይቲ ሊድያ ዊልያምስ ትገልጽ።። ሓላው ልዳት ከም ምዃና መጠን ፡ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራልያ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዋ ተጻዋቲት ጋንታ ማቲልዳስ እያ ነይራ ።
ሊድያ ንኣውስትራልያ ወኪላ ኣብ ክልተ ኦሎምፒክ ፡ ሓሙሽተ ውድድራት ዋንጫ ዓለምን ሽዱሽተ ናይ ኤስያ ዋንጫታትን ከምኡ "ውን ስፖርታዊ ንጥፈታታ ኣብ መላእ ዓለም ተሳቲፋ እያ ።
ሊድያ ፡ "እታ ምስ ደቂ ጋንታይ ዝኣተኹላ ጋንታ ይመስለኒ ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ እተፈላለየ ድሕረባይታ ዝመጻ ተጻወቲ ዘለዋ ጋንታ እያ፡ ኩላትና ብ ሓደ ነገር ዝተሰማማዕናሉ ግና ፡ ካብቲ መጀመርታ ኣብኡ ዝኣተናሉ እዋን ንላዕሊ ፡ ነቲ ስፖርት ብዝሓሸ ኽንገድፎ ምድላይና እዩ ።" ብምባል ሊድያ ተረድእ።

SYDNEY, AUSTRALIA - JUNE 03: Lydia Williams, goalkeeper of Australia is presented with a gift from Evonne Goolagong Cawley before the international friendly match between Australia Matildas and China PR at Accor Stadium on June 03, 2024 in Sydney, Australia. (Photo by Matt King/Getty Images) Credit: Matt King/Getty Images
ደቀባት ስፖርተኛታት ዝገጥሞም ብድሆ እንታይ እዩ?
እቲ ናብ ብሉጽ ስፖርት ዝወስድ መገዲ ዕንቅፋት ዘይብሉ ኣይኮነን ። ናይ መንነትን ውክልናን ማዕርነትን ጸገማት ንተመክሮታት ተወለድቲ ደቀባት ቐሪጽዎ እዩ ። ሊድያ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ክፍሊትን ተፈላጥነትን ንምርካብ ዝግበር ቃልሲ ትዝክር ።
"ኣብ ብምሉኡ ስራሐይ ፡ ከም ናይ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ደሞዝ ክንከፍል ኣብ እንደልየሉ እዋን ዕንቅፋት ርኢና ኢና ። ኣብ ኦሎምፒክ ናይ ኣቦርጂን ባንዴራ ከነርኢ ክኢልና ኢና ። ስለዚ ፡ እዛ ጕጅለ እዚኣ ፡ ነቲ ዘጋጥማ መሰናኽላት ብምፍራስ ፡ ሰባት ኣብ ዝኣምኑሉ ነገራት ደው ንኺብሉ ብሓቂ እተፍቅድ ሓድነት ዘለዋ ይመስለኒ "በለት ።
ካይል ቫንደር-ኩፕ ንኣውስትራልያ ብምውካል ኣብ ክልተ ኦሎምፒክ: ኣብ ሓያሎ ናይ ሓባር ጸወታታት ከምኡውን ኣብ ሓያሎ ናይ ዓለም ግጥማት ተሳቲፉ እዩ ።

Kyle Vander-Kuyp competing in the hurdles at the Sydney 2000 Olympics
ካይል ስፖርት ኣብ ግዜ ቝልዕነቱ ዝጀመረሉ እዋን ፡ ንርእሰ-ርእሱ ንምግላጽን ምስ ሓንቲ ጕጅለ ክተኣሳሰርን ዝገበረ ገይሩ እዩ ዝቖጽሮ።
"ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ ብኻል ኦት ስድራ ክዓቢ ፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ፈለማ ዘጋጥመኒ ዝነበረ ብድሆታት ፡ ኣደይን ኣቦይን ክፈልጥ ዝጽዕሮ ዝነበርኩ እዩ ዝነበረ ፡ ስለምንታይ ካባኻትኩም እተፈለኹ ኮይነ ? ከመይ ጌረ ዝተፈላለየ ሕብሪ ቆርበት መጺኡኒ? እዚ ምናልባት ከም ብኻልእ ስድራ ምዕባየይ መንነተይ ንምፍላጥ እቲ ፈለማ ዘጋጠመኒ ብድሆ ክኸውን ይኽእል እዩ " ክብል ገሊጹ ።
ካይል ካብ ወለዱን ፈተውቱን ብዝረኸቦ ምትብባዕ ተበጊሱ ንመንነቱ ብዝያዳ ክርድኦ ሓጊዝዎ፡ ሓደ ካብኡ ናብ ንእሽቶ ኣትሌቲክስ ምኻድ እዩ ነይሩ ፣ እዚ መደብ እዚ ንቘልዑ ምስ እተፈላለየ ትራክታትን ናይ ሜዳ ኣጋጣሚታትን ዘፋልጥ እዩ ነይሩ ፣ እዚ ከኣ ንኣውስትራልያ ወኪሉ ንኽወዳደር መገዲ ዝኸፈተሉ እዩ ነይሩ ።
እዞም ክልተ ስፖርተኛታት እዚኦም ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ብድሆታት እኳ እንተ ኣጋጠሞም ፡ ንጸገማት ናብ ዓወት ብምቕያር ፡ ስፖርት ዘበርትዕ መሳርሒ ገይሮም ተጠቒሞምሉ እዮም ።

Kyle Vander-Kuyp with his adoptive mother Patricia Vander-Kuyp and his birth mother Susan Dawson - Image supplied.jpg
ስፖርት ን ባህልን መንነትን ደቀባት ኣውስትራሊያውያን ብኸመይ የተሓሕዝ?
ንደቀባት ኣውስትራሊያውያን ኣትሌታት ፡ ስፖርት ካብ ውድድር ንላዕሊ እዩ ፣ ባህላዊ መግለጺ እዩ ። ባንዴራታት ኣቦርጂንን ቶረስ ስትሬት ኣይላንደርን ዘንበልብልሉ ፡ ከምኡ እውን ኣብ ሜዳ ውርሻኦም ብሓበን ዘርእዩlu; ስፖርተኛታት ስፖርታዊ ስምዒት መንነቶም ዘንጸባርቕሉ እዩ ።
ካይል ናይቲ ፍሉጥ ተጻዋታይ AFL ሞሪስ ሪዮሊ ዝበሎ ቃላት ዘኪሩ ከምዚ በለ: - "ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ዝነበርክሉ ንከም ላዮነል ሮዝ: ኢቮን ጉላጎንግ ዝኣመሰሉ ሰባት ክጥምት ከለኹ ብንጹር እየ ዝዝክሮ: ሓደ ኣቦርጅናዊ ተጻዋታይ ፉቲ ናብ ቤት ትምህርተይ መጺኡ ንማውሪስ ሪዮሊ ምርኣየይ ዕድለኛ እየ ነይረ: ንሱ ድማ ከም ተጻዋታይ ፉቲ ዛንታኡ ኣካፊሉና: ናይ ኣቦርጂናውያን ውርሻታት እውን ኣካፊሉና እዩ ። ንዓይ ናብ ክፍሊ ሰራሕተኛታት ወሲዱ ፡ ትፈልጥ ካይል ፡ ኣቦርጂናዊ ምዃን ጸገም ኣይኮነን ፡ ብልጫ እዩ ፡ ነዚ ክትጥቀመሉ ኣለካ "በለኒ ።
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መረጋገጺታት: ባህላዊ መንነት ሒዙ ኽሳእ ክንደይ ራእይን ሓበንን ዘንጸባርቕ እዩ ።
ካይል ኣብቲ ብ1990 ኣብ ኦክላንድ ፡ ኒው ዚላንድ እተገብረ ጸወታታት ኮመንወልዝ ፡ ንኣውስትራልያ ወኪሉ እዩ ።
"ምስ ካቲ ፍሪማን ኣብታ ጋንታ ብምንባረይ ዕድለኛ እየ ነይረ ፡ ክልቴና ድማ መንእሰያት ኢና ኔርና ፡ ስለዚ ጓል 16 ዓመት ካቲን ወዲ 18 ዓመትን ካይልን ኢና ኔርና ፡ ብዛዕባ መንነትካ ንመጀመርታ ግዜ ኢኻ ትፈልጥ ፡ ኣውስትራልያዊ ምዃነይን ቀጠልያን ወርቅን ከም ዝኽደን እፈልጥ እየ ፡ግን ኣውስትራልያዊ ወደባት እውን ፡ ነዚ ቀጠልያን ወርቅን ማልያ ክትክደኖ ዕድል ምርካብ ማለት ፡ ንገዛእ ርእስኻን ንህዝብኻን ታሪኽ ትሰርሕ ኣለኻ ማለት እዩ ።"
ሓድጊ ደቀባት ኣትለታት ኣብ ስፖርት ኣውስትራሊያ እንታይ እዩ?
ሓድጊ ስፖርታውያን ደቀባት ነባርን ዓሚቝን እዩ ። ንስምዒት ኣብ ርሑቕ ማሕበረሰባት ዝነብሩ ቆልዑ ደፋፊኦም ፡ ኣብ ደሞዝን ውክልናን ንማዕርነት ተቓሊሶም ፡ መንነትን ቅርስን ኣብ ጎድኒ ሃገራዊ ሕብርታት ብሓበን ክብ ክብሉ ከምዝኽእሉ ኣርእዮም ።
ሊድያ ዊልያምስ ፡ ሎሚ ዘለዋ መንእሰያት ናይ ቀዳሞት ህዝቢታት ኣንስትዮ ኣብ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ኣርኣያ ዝኾናአን ምርኣየን ኣገዳሲ ምዃኑ ክትገልጽ ከላ ፡ "ሕጂ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ፡ መብዛሕትአን ካብ ቀዳሞት ህዝብታት ብዓብላሊ ደረጃ ዝስርዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ ። ቈልዑ ምስ ኣተን ክተሓሓዛ ይኽእላ እየን ፣ ኣርኣያአን እውን እየን" በለት ።
ካይል ፡ እቲ ካብ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብን ተፈላጥነት ዝረኽበሉ እዋናት ፡ ማለት ንኻልኦት ከም ዝደረኾም ይሰማማዕ ፡ ስፖርት ነቲ ዘለዎ ናይ ምቕያር ሓይሊ ከምዘለዎ የረጋግጽ ።
"ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብሉጽ ስፖርተኛ ኸይኰንካ ክትፍትንን ንቡር ህይወት ክትመርሕን ኢኻ ትምለስ ፡ ናብ ርሑቕ ማሕበረሰባት ግን ትኸይድ ፡ ኣሞታት ፡ ዓበይቲ ፡ ሽማግለታትን ቆልዑን ድማ ፡ ኣብ ቲቪ ርኢናካ ፡ ንስኻ ድማ ደሪኽካና ይብሉኻ። ስፖርት ሓያል ነገር ከምዝኾነ ዝርድኣካ ኣብ ከምዚ ዓይነት ህሞት እዩ "በለ ።

ንምንታይ እዩ ስፖርት ደቀባት ንሃገራዊ መንነት ኣውስትራሊያ ኣድላዪ ዝኸውን?
ኣትለታት ደቀባት ኣውስትራሊያውያን ንብሕታዊ ዓወት ጥራይ ኣይኰኑን ዝውክሉ ። ተጻዋርነትን ጽንዓትን ባህላዊ ሓበንን እውን ጸይሮም እዮም ዝጓዓዙ ። ኣብ እተፈላለየ ደረጃታት ዓለም ምህላዎም ፡ ኣውስትራልያ ንገዛእ ርእሳ ብኸመይ ከም እትርእያ ዝሕብር ምልክት እዩ ፣ ከም ሃገር ጥንክርቲ ትኸውን ቀዳሞት ህዝብታትን በቲ ዝረኸብዎ ኣሳልጦን ዝሕብር እዩ ።
ኣትሌታት ደቀባት፡ ካብ ታሕቲ ናብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ፡ ካብ ምቕራጽ ባህሊ ስፖርት ዓዲ ኣይወዓሉን ፣ እዚ ከኣ ስፖርት ሓደ ካብቲ ንሓድነትን ንመንነትን ንድራኸን ሓያል ጽልዋ ዘሕድር መንኮርኮር ከም ዝዀነ የረጋግጽ ።
ንሊድያ ዊልያምስ ፡ እቲ ንሃገራን ንባህላን ዝውክል ስፖርታዊ ጕዕዞኣ ፡ ብደቂ ጋንታኣ ተደሪዑ እዩ ። ደቂ ጋንታኣ ደገፍታን ብዛዕባ ኣ ከም ቀዳመይቲ ሰበይቲ መጠን ዘሕለፈቶ ህይወት ንምፍላጥ ህንጥዮት ዘሕደራን እየን ኔረን ፣ ን ፍልልያት ብምቕባል ስኒት ኣብ ምዕቃብ ድማ ዘተኵራ ነይረን ።
"ንዓይ ንሃገረይ ምስ ባህለይ ምውካል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ። ነቲ ሰመያዊ ሕብሪ ምስ እንለብሶ ፡ ኣብ ልዕሊኡ ናይ ኣውስትራልያ ባንዴራን ኣርማታትን ኣለዋ ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ብባህሊ ኣዝያ ሃብታም ዝኾነት ጉጅለ እያ ። ኣብ መቐየሪ ክፍሊና ፡ ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትራት ደሴት ሰንደቕ ዕላማ ኣሎና ። ስለዚ ኣብኡ ብዙሕ ምትዕጽጻፍን ሓበንን ንኽህሉ እተለዓዕል ጋንታ እያ ። ንኽልቲኡ ምውካል ብሓቂ ዘደንቕ እዩ "በለት ።
ሊድያ ዊልያምስ ካብ ተጻዋቲት ኣህጉራዊ ኰዀብ ኵዕሶ እግሪ ናብ ለውጢ ተምጽእ ሰብ ፡ ትምህርቲ ኣብ ምቕጻል ፡ ዝሓሸ ለውጢ ድማ ኣብ ምፍጣር ዘለዋ ጥሙሕ ትገልጽ።
"ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓብለልቲ ተጻወቲ ቀዳሞት ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዘለዋ ፡ ንኣሽቱ ቘልዑ ኺዛረባኦምን ኪረኽብወንን ስለ ዝኽእላ ፡ ኣርኣያአን ስለ ዝዀና ፡ ሕጂ ብሓቂ ዘሐጕስ ግዜ ይመስለኒ" በለት ።
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au