ዙር ፈረንሳ ቀዳም ኣብ ዝተጀመረሉ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ኣትዩ፡ ኬንያውያን ደቀንስትዮ ክብረወሰናት ሓማሺሸን፣

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ (07/07/2025) * ኬንያውያን ኣትሌታት ክብረወሰናት ዓለም ኣብ ዘመሓየሻሉ ርክባት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ፣ ኣብ ዩጂን፣ ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ዝድነቕ ሳልሰይቲ ወጺኣ፣ ክብረወሰና ግን ተመንጢላ ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ቀዳም ኣብ ዝተጀመረሉ መዓልቲ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ኣትዩ፡ ቅሳነት ወልደሚካኤል ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፖርቱጋል ደቀንስትዮ መበል 18 ወዲኣ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ ኣንጻር ፍሉሚነንሰ ክትገጥም’ያ፣ ፔኤስጂን ሪያል ማድሪድን ድማ ኣብ’ቲ መሳጢ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ክራኸባ’የን፣
Share