ኣውስትራልያዊ ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ኣንጅ ፖስትኮግሉ ካብ ስርሑ ተባሪሩ፣ ሮናልዶ ኣብ መበል 40 ዓመቱ ምስ ሃገሩ ዋንጫ ዓቲሩ፣

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/06/2025) * ቅድድም ብሽግለታ ክራይተርየም ዱ ዶውፊን ብዓወት ኣባል ጋንታ ዩኤኢ ቲም ኤሚረትስ - ኤክስኣርጂ ዝኾነ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ኣብ ፈረንሳ ተጀሚሩ፣ ኤርትራውያን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ይሳተፉ’ለዉ፣ * ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ታዱ ተሾመ ማሩ ካብ ውድድር ወጻኢ ወዝቢ ንዝካየድ መርመራ ደም ኣትለቲክስ ዓለም ዘላቶ ቦታ ብዘይምሕባራ ጥሕሰት ፈጺማ ናይ 22 ኣዋርሕ እገዳ ተነቢሩላ፣ * እንግሊዛዊት ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ንኣውስትራልያዊ ኣሰልጣኒኣ ዝነበረ ኣንጅ ፖስትኮግሉ ክልተ ወቕትታት ምስኣ ድሕሪ ምጽንሑ ከም ዘባረረቶ ኣፍሊጣ, * ክሪስትያኖ ሮናልዶ ኣብ መበል 40 ዓመቱ ንሃገሩ ጽዋዕ ኣዕቲሩ፣
Share