'ክሳብ ሕጂ ድቃስ ዘይብሉ ዓይነይ ሰም ኣየበልኩን፣ ማዕጾ ኳሕ እንተኢሉ መሬት ደጊሙ ዘንቀጥቀጠ ይመስለኒ' ጋናዊት ተጻዋቲት ኣብ ቱርኪ

The Philippines will donate $100,000 in humanitarian aid to earthquake victims in Türkiye. Source: EPA / SEDAT SUNA/EPA/AAP Image
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት * ኢትዮጵያውያን ኣብዲሳ ቶላን ደራ ዲዳን ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ዱባይ ድርብ ዓወት ናይ ኣዝማድን ሃገርን ኣመዝጊቦም፣ * ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ፖላንድ ኣብ ርክባት ውድድር ጉያ እግሪ ሓደ ማይል ውሽጢ ኣዳራሽ ኣብ ታሪኽ ካልኣይ ዝቐልጠፈ ግዜ ከተመዝግብ ‘ከላ ኣብ 3000 ሜ ንፈለማ እዋና ዝተሳተፈት ፍረወይኒ ሃይሉ ተዓዊታ፣ * ኣብ ጋና ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኮንፈደረሽን ቅ/ብ ኣፍሪቃ 2023 ኤርትራ ብቅልጣፈ ግዜ ብጋንታ ብሩር ክትስለም እንከላ ኣብ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ መንእሰያት ደቀንስትዮ ብውልቂ ኢትዮጵያ ነሓስ ተሰሊማ፣ * ኣብ ፊጉወራ ቻምፒዮንሺፕስ ክላሲክ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ሓምሻይ ወጺኡ፣ * ኣብ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ልዕሊ 35000 ሰባት ምቕዛፉ ኣብ ዝቃልሓሉ ዘሎ እዋን ገለ ፕሮፌሽናል ተጻወቲ ኣብ’ቲ ክስተት ዘጋጠመሉ ቦታ ከምዝነበሩን ግዳያት ከምዝኾኑን ይጽብጸብ
Share