ምፍጣጥ ቢቢሲን ጋሪ ሊነከርን፣ ዓወት በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ስፐይንን ውዕሎ ኤርትራውያን ተቕዳደምቲ ኣብ ኣልጀርያን

Credit: AAP
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/03/2023) * ኢትዮጵያዊ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ስፐይን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10 ኪሜ ‘ቪላ ደ ላሬዶ’ ተዓዊቱ፣ * ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዉበቱ ኣባተ ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ኣፍኮን 2023 ንምሕላፍ ኣንጻር ጊኒ ኣብ ዝካየዱ ድርብ መጻረዪ ግጥማት ዘድልይዎ ናይ መወዳእታ 23 ተጻወቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣፍሊጡ፣ * ዓለምለኻዊ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኣልጀርያ ዝሓለፈ ሰሉስ ተጀሚሩ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲን ጋንታ ኤርትራን ዘዕግብ ምንቅስቓስ የርእዩ፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝን ፈነወታት ግጥማቱ ናብ መላእ ዓለምን ሓደ ካብ’ቶም ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ቢቢሲን ኩዕሶ እግሪ ዓለምን ፍሉጣትን ጸለውትን ዝኾነ ጋሪ ሊነከር ንኣተሓሕዛን ፖሊሲን መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ባሕሪ ሰጊሮም ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብዝምልከት ዝነቅፍ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቡ ኣብ ቅልውላው ኣትዮም ይርከቡ፣
Share