ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ነጥቡ ኣመሓይሹ፣ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ቻይና ሻምፒዮን ኮይኑ፣ ቸልሲ ሻምፒዮን ዋንጫ ዓለም ክለባት ኮይና፣

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/07/2025) * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ብመሪሕነት ታደይ ፖጋቻር 9ይ መድረኹ ብምክያድ ይቕጽል ኣሎ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ምድብ ንነጥቢ ወይ ቀጠልያ ማልያ ሳልሳይ ኮይኑ ፍልልዩ ምስ ታደይ ኣጽቢቡ፣ * ሎሚ ዓመት ኤርትራዊ ገዲም ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ፈላማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ማልያ ንጉስ ዓቐበት ወይ ፖልካ ዶት ጀርዚ ዝለበሰ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሓሉ 10ይ ዓመቱ ይበዓል ኣሎ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ማግኒፊሰንት ቺንግሃይ ብዓወት ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዛዚሙ፣ * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ቸልሲ ንፔኤስጂ ስዒራ ተዓዋቲት ኮይና፣
Share