ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሙምላቕን ደቂጋንትኦም ብምስሓብን ኣብ ጂሮ ብቕዓቶም የመስክሩ፣ ሕብረት ቅድድም ብሽግለታ ተቐዳደምቲ ብሄሊኮፕተር ምግዕዓዝ ዘይርትዓዊ'ዩ ይብል፣

ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር - ዙር ኢጣልያ 2023 Credit: YouTube
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (15/05/2023) * ቀዳማይ ሰሙን ቅድድም ብሽግለታ ጂሮ ድ’ኢታልያ ሰንበት 9ይ መድረኽ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ብውልቂ ብምክያድ ተጠናቒቑ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሞሊቖም ብምኻድን ደቂጋንትኦም ብምስሓብን ብቕዓቶም የመስክሩ፣ * ሕብረት ቅድድም ብሽግለታ/ዩሲኣይ ኣብ ጂሮ ድ’ኢታልያ ገለ ጋንታታት ካብ ኣኽራናት ንተቐዳደምተን ሄሊኮፕተር ተጠቒመን ናብ ሆቴሎም ብቐጥታ ምውሳደን ስፖርታዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ኣይኮነን ክብል ነቒፉ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣርሰናል ከቢድ ስዕረት ኣብ ሜዳኣ ድሕሪ ምስካማ ማንቸስተር ሲቲ ሻምፒዮን ዓዲ እንግሊዝ ክትከውን ሓደ ግጥም ምዕዋት ጥራይ ተሪፍዋ፣ * ሳውዝሃሞተን ኣብ’ዚ ወቕቲ ናብ ታሕተዋይ ደረጃ/ሻምፒዮንሺፕ ዝወረደት ቀዳመይቲ ጋንታ ፕሪምየር ሊግ ኮይና፣ ደጋፊ’ታ ጋንታ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኣብ’ቲ ግጥም ተረኺቡ
Share