ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተቐይሩ ኣትዩ ሽቶ ብምምዝጋብ ንጋንትኡ ኣዐዊቱ፣ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ሙምባይ ድርብ ዓወት ኣመዝጊቦም

Credit: World Athletics
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት * ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ሙምባይ ንመበል 18 ግዚኡ ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሓድሽ ክብረወሰናት ሙምባይ ብምምዝጋብ ብኽልቲኡ ጾታታት ተዓዊቶም፣ * ኣብ ኣልጀርስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ሻምፒዮና ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ኢትዮጵያ ኣንጻር ሞዛምቢክ ገጢማ ብዘይሽቶ ማዕረ ተፈላልያ፣ * ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ኣብ’ቲ ካብ ዝመጽእ 23 ክሳብ 29 ጥሪ ኣብ ጋቦን ዝካየድ መበል 16 ቅድድም ብሽግለታት ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ንምስታፍ ናብኡ ከተምርሕ’ያ፣ * ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንነዊሕ ክሕከምን ክለማመድን ድሕሪ ምጽናሕ ንፈለማ ግዜ ተቐይሩ ኣትዩ ሽቶ ብምምዝጋብ ንጋንትኡ ኒው ካስትል ዓወት ኣመዝጊቡ
Share