ቢንያም ግርማይ 3 መድረኻትን ቀጠልያ ማልያን ተዓዊቱ ታሪኻዊ ቅያታቱ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዛዚሙ

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (22/07/2024) * ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ቀጠልያ ማልያ ለባሲ ዝኾነሉ ምድብ ናይ ነጥቢ መሪሑ ዝተዓወተሉን ሰለስተ መድረኻዊ ዓወታት ዘመዝገበሉን ታሪኻዊ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ 2024 ሰንበት ተዛዚሙ፣ * ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ኦሎምፒክስ ፓሪስ ዝሳተፉ ኣትሌታት ዝሓለፈ ሰሙን ስሞም ድሕሪ ምግላጹ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ብገለ ካብ’ቶም ዘይተመርጹ ኣትሌታት ነቐፌታታት ይቐርብሉ፣ * ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ብዙሓት ስክፍታታት ኣብ ልዕሊኡ ተፈጢሮም እናሃለዉ ዝመጽእ 26 ሓምለ ክኽፈት እዩ፣
Share