ቢንያም ግርማይ ኣብ ኼንት ዌቨለኸም 7ይ ወጺኡ፣ ኣብ ግጥማት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ብ9 ወርቂ 8ይ ኤርትራ ኸኣ ብ7 ወርቂ መበል 11 ወዲኤን፣

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/03/2024) * ኣብ ግጥማት ኣፍሪቃ ኣክራ 2023 ኢትዮጵያ ብብዝሒ ኣብ ኣትለቲክስ ዘመዝገበቶም ዓወታት ተጠቒማ 9 ወርቂ ዝርከብዎም 22 መዳልያታት ኣዋህሊላ 8ይ ክትውድእ’ንከላ ኤርትራ ዝበዝሑ ብቅድድም ብሽግለታ ዘመዝገበቶም 7 ወርቂ ዝርከብዎም 15 መዳልያታት ኣዋህሊላ ኣብ መበል 11 ተርታ ተሳትፎኣ ዛዚማ፣ * ኢትዮጵያ ኣንጻር ሌሶቶ ክልተ ምሕዝነታዊ ግጥማት ኣካይዳ ኣብ’ቲ ቀዳማይ 2-1 ክትሰዓር’ንከላ ኣብ’ቲ ካልኣይ 2-1 ስዒራ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ኼንት ዌቨለኸም ተሳቲፉ ዝነኣድ 7ይ ወጺኡ፣ * ማልያታት ሃገራውያን ጋንታታት እንግሊዝን ጀርመንን ምስ ቅዲን ኣፍረይቲ ትካላት ስፖርታዊ ናውትን ብዝተኣሳሰር ምስሕሓብ ተፈጢሩ ኣዘራረብቲ ኮይኖም፣
Share