ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ዛግረብ ተዓዊታ፣ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ጃፓን መድረኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ ኤርትራ ምስ ኒጀርን ደቡብ ሱዳንን ክትገጥም'ያ፣

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/05/2025) * ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ’ዚ ዓመት ንፈለማ ግዚኣ ኣብ ውድድር 1500 ሜ ኣብ ዝተሳተፈትሉ ኣብ ዛግረብ ክብረወሰን ናይ’ቲ ውራይ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ኤርትራዊ መንእሰይ ተቐዳዳማይ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ጃፓን መድረኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ፣ * ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብምኽንያት መበል 34 በዓል ነጻነት ኣንጻር ኒጀርን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ኣስመራ ምሕዝነታዊ ግጥማት ሰሪዑ ከካይድ’ዩ፣ * ኣውስትራልያዊ ኣስልጣኒ ቶተንሃም ሆትስፐር ኣንጅ ፖስትኮግሉ ኣብ ናይ ፍጻመ ግጥም ዩሮፓ ሊግ ጋንትኡ ንማንቸስተር ዩናይትድ 1-0 ስዒራ ተዓዋቲት ክትከውን ሓጊዙ፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ብዓወት ሊቨርፑል ወቕቱ ብወግዒ ዛዚሙ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ኒውካስትል ዩናይትድን ኣብ መወዳእታ መዓልቲ እንተተሳዕሩ’ኳ ንዓመታ ሻምፒዮንስ ሊግ ክጻወቱ’ዮም፣ መሓመድ ሳላሕ ብሉጽ ተጻዋታይ ተሰምዩን ወርቃዊ ሳእኒ ተሸሊሙን፣
Share