SKIP TO MAIN CONTENT

"ብራዚል ኣይግድን...፣ ኬፕ ቨርደ ግን መቐረት ፈጢሮምን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ብቕዓት ኩዕሶ እግሪ ወሳኒ ከምዘይኮነ ኣመስኪሮምን፣" ትንተና ዋንጫ ዓለም ምስ ነጋ ወልደጊዮርጊስ

Nega Weldegiorgis.png
Credit: Nega Weldegiorgis

ክቡራት ሰማዕትና፣ ከመይ ትኾኑ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (ዩኤስኤይ)፣ ሜክሲኮን ካናዳን ዘአንግድኦ ዘለዋ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሑ’ሎ። 48 ሃገራት ኣሳቲፉ ታሪኻዊ ውራይ ብምዃን ናብ ምዝዛም ገጹ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን እዚ ዋንጫ ዓለም ዘይትጽቢታዊ ውጽኢታት ብፍላይ ድማ ጀርመንን ነዘርላንድስን ኣብ ዙር 32 ተገሊፈን ዘሰንብድ ውጽኢት ክርከበሉ’ንከሎ፣ ተኣምራታዊ ብቕዓትን ውጽኢትን ኬፕ ቨርደ ዝደመቐሉን ኔሩ። ተስፋ ኣፍሪቃ ኣብ ሞሮኮን ግብጽን ክወድቕ’ንከሎ ኮትዲቯርን ሰነጋልን ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ውጽኢት ኣመዝጊበን ንዓደን ዝተመልሳሉ ኮይኑ። ኣብ ዙር 16 ድማ መሰጥቲ ግጥማትን ጽንዓት ዝመልኦም ተወፋይነታት ተራእዮም፣ ሃላንድን ኖርወይን ንብራዚል፣ ቪኒስየስ ጁንየርን ነይማርን ብኣግኡ ዓዶም ክምለሱ ክገብርዎም’ንከለዉ እንግሊዛውያን ድማ ብ10 ተጻወቲ ቅያን ጅግንነትን ብምርኣይ ዝሓለፍሉ ኮይኑ። ጉዕዞ ወከልቲ ኣፍሪቃ ሞሮኮን ግብጽን፣ ሓበን ኬፕ ቨርደ፣ ከምኡ’ውን ክሳብ’ዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ዝተራእዩ ካልኦት ተጠቀስቲ ተርእዮታትን ክትንትነልና ከም ወትሩ ንጋዜጠኛን ተንታኒን ስፖርትን ኣዳላዊ መደባት ስፖርት ኣብ ዩትዩብ ቻነል 'ነጋ ስፖርትስ' ዝኾነን ነጋ ወልደጊዮርጊስ ደጊምና ዓዲምናዮ ኣለና። ምክትታልኩም ንዕድም።

Published

Updated

By SBS Tigrinya

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS / SBS Tigrinya

Skip to podcast episode content

ክቡራት ሰማዕትና፣ ከመይ ትኾኑ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (ዩኤስኤይ)፣ ሜክሲኮን ካናዳን ዘአንግድኦ ዘለዋ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ናብ ርብዒ ፍጻመ በጺሑ’ሎ። 48 ሃገራት ኣሳቲፉ ታሪኻዊ ውራይ ብምዃን ናብ ምዝዛም ገጹ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን እዚ ዋንጫ ዓለም ዘይትጽቢታዊ ውጽኢታት ብፍላይ ድማ ጀርመንን ነዘርላንድስን ኣብ ዙር 32 ተገሊፈን ዘሰንብድ ውጽኢት ክርከበሉ’ንከሎ፣ ተኣምራታዊ ብቕዓትን ውጽኢትን ኬፕ ቨርደ ዝደመቐሉን ኔሩ። ተስፋ ኣፍሪቃ ኣብ ሞሮኮን ግብጽን ክወድቕ’ንከሎ ኮትዲቯርን ሰነጋልን ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ውጽኢት ኣመዝጊበን ንዓደን ዝተመልሳሉ ኮይኑ። ኣብ ዙር 16 ድማ መሰጥቲ ግጥማትን ጽንዓት ዝመልኦም ተወፋይነታት ተራእዮም፣ ሃላንድን ኖርወይን ንብራዚል፣ ቪኒስየስ ጁንየርን ነይማርን ብኣግኡ ዓዶም ክምለሱ ክገብርዎም’ንከለዉ እንግሊዛውያን ድማ ብ10 ተጻወቲ ቅያን ጅግንነትን ብምርኣይ ዝሓለፍሉ ኮይኑ። ጉዕዞ ወከልቲ ኣፍሪቃ ሞሮኮን ግብጽን፣ ሓበን ኬፕ ቨርደ፣ ከምኡ’ውን ክሳብ’ዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ዝተራእዩ ካልኦት ተጠቀስቲ ተርእዮታትን ክትንትነልና ከም ወትሩ ንጋዜጠኛን ተንታኒን ስፖርትን ኣዳላዊ መደባት ስፖርት ኣብ ዩትዩብ ቻነል 'ነጋ ስፖርትስ' ዝኾነን ነጋ ወልደጊዮርጊስ ደጊምና ዓዲምናዮ ኣለና። ምክትታልኩም ንዕድም።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now