How reliable is the VAR system? Source: Twitter / Twitter / @Hawkeye_viewኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2026 ብዓወት ስፐይን ከምዝተዛዘመ ዝዝከር'ዩ። ስፐይን 'ብቑዓትን ዝግበኦም ተዓወትን' ተባሂሎም ብብዙሓት ይግለጹ። ኣብ ፍጻመ ዝተሳዕሩ ኣርጀንቲና ግን ኣብ’ቲ መዓልቲ፣ ግጥም፣ ምዱብ ግዚኡ ክዛዘም ኣብ ዝቐረበሉ ኣከፋፋሊኦም ኤንዞ ፈርናንደዝ ብክልተ ቢጫ ካርድታት ካብ ሜዳ ብቐይሕ ተሰጒጉ ብ10 ተጻወቲ ክቕጽሉ ተገዲዶም። ነዚ መዝሚዞም ድማ ስፐይን ብፌራን ቶረስ ኣቢሎም ተዐውቶም ሽቶ ኣመዝጊቦም። እቲ ምልኩዕ ጸወታ ኢልና ንጽውዖ ኩዕሶ እግሪ ኣብ መወዳእትኡ ተዓዊቱ እንተወጸ'ኳ ነባሪ ተዘክሮ ወይ ሓድጊ ናይ'ዚ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ዘአንገደኦ ታሪኻዊ ውራይ ግን እንታይ ክኸውን'ዩ፧ ነቶም ንዋንጫን ንደረጃን ዝተኻየዱ ግጥማት ብፍላይ፣ ንብምሉኡ’ቲ ውራይ ድማ ብሓፈሻ፣ ክንድህስሶ ተንታኒ ስፖርት ነጋ ወልደጊዮርጊስ ምሳና’ሎ።
Published
By SBS Tigrinya
Presented by SBS Tigrinya
Source: SBS / SBS Tigrinya
Skip to podcast episode content
Share this with family and friends
ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2026 ብዓወት ስፐይን ከምዝተዛዘመ ዝዝከር'ዩ። ስፐይን 'ብቑዓትን ዝግበኦም ተዓወትን' ተባሂሎም ብብዙሓት ይግለጹ። ኣብ ፍጻመ ዝተሳዕሩ ኣርጀንቲና ግን ኣብ’ቲ መዓልቲ፣ ግጥም፣ ምዱብ ግዚኡ ክዛዘም ኣብ ዝቐረበሉ ኣከፋፋሊኦም ኤንዞ ፈርናንደዝ ብክልተ ቢጫ ካርድታት ካብ ሜዳ ብቐይሕ ተሰጒጉ ብ10 ተጻወቲ ክቕጽሉ ተገዲዶም። ነዚ መዝሚዞም ድማ ስፐይን ብፌራን ቶረስ ኣቢሎም ተዐውቶም ሽቶ ኣመዝጊቦም። እቲ ምልኩዕ ጸወታ ኢልና ንጽውዖ ኩዕሶ እግሪ ኣብ መወዳእትኡ ተዓዊቱ እንተወጸ'ኳ ነባሪ ተዘክሮ ወይ ሓድጊ ናይ'ዚ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ዘአንገደኦ ታሪኻዊ ውራይ ግን እንታይ ክኸውን'ዩ፧ ነቶም ንዋንጫን ንደረጃን ዝተኻየዱ ግጥማት ብፍላይ፣ ንብምሉኡ’ቲ ውራይ ድማ ብሓፈሻ፣ ክንድህስሶ ተንታኒ ስፖርት ነጋ ወልደጊዮርጊስ ምሳና’ሎ።