500 ሽሕ ሰባት ጥራይ ዘለውዋ ሃገረ ኬይፕ ቨርደ (ብቋንቋ ፖርቱጊዝ ካቦ ቨርደ ተባሂላ ትጽዋዕ) ነቶም ኣብ ኣውስትራልያ’ውን ዝነብሩ ተወላዶኣ ዘሐጎሰ ኩሉ ግምታት ኣምኪና ናብ ዙርያታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ በጺሓ’ላ። ኬፕ ቨርዳውያን ደገፍቲ ኣብ ኣውስትራልያ እታ ንእሽቶ ደሴታዊት ሃገር ንፈለማ ግዚኣ ናብ ደረጃታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ድሕሪ ምብጻሓ ሓጎሶም ይገልጹ’ለዉ።
Share






